ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ ስልጣን ካሜሮን ዕጡቓት ካብ ዞባ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ንውድድራት ዋንጫ ኣፍሪቃ ከተዓናቕፉ ፈቲኖም ይብሉ


 ዕጡቓት ካብ ዞባ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ካሜሮን
ዕጡቓት ካብ ዞባ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ካሜሮን

ሰበ-ስልጣን ካሜሩን፡ ዕጡቓት ካብ ዞባ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ (ኣንግሎፎን) ነቲ እታ ሃገር ተተኣናግዶ ዘላ ዝዓበየ ውድድራት ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ከተዓናቕፍዎ ይፍትኑ ኣለዉ ክብሉ ከሲሶም።

እቶም ዕጡቓት ኣብ ሓንቲ ካብተን ውድድራት ዝካየደለን ከተማታት፡ ትሕት ዝበለ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ወተሃደራዊ ሓይሊ`ታ ሃገር ብተለቪዥን ኣፍሊጡ`ሎ።

ሚንስትሪ ትምህርቲ ካሜሩን ከምዝሓበሮ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዘጋጠመ ኣብ ቡያ ዝተባህለ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ክኸውን ከሎ ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ ሰብኣዊ በደል ምፍጻሙ ይጠቅስ፡ ብዛዕባ ኣብ ህይወት ዝወረደ ግን ዝበሎ ነገር የለን። እታ ከተማ ኣብቲ እንግሊዝኛ ዝዝረበሉ ዞባ ደቡባዊ ምዕራብ`ያ ትርከብ።

XS
SM
MD
LG