ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ-ስልጣን ካሜሮን ኣብ ኮማዊ ግጭት ኢድ ኣለዎም ንዝበሎም ይኣስር


ካሜሮን
ካሜሮን

መንግስቲ ካሜሮን፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር፡ ኣብ ምምዝባል ህይወት ኣማኢት-ኣሽሓት ዜጋታት ተራ ነይሩዎም ንዝበሎም ዜጋታት ኣሲሩ። እቶም ሰበ-ስልጣን ብኣማኢት ዝቑጸር ኣጽዋር ምሓዞም’ውን ይሕብሩ።

ሰብ-መዚ ካሜሮን፡ ኣብ ሎጎንን ቻሪን ዝተባህለ ዶባት ጫድ ብዝገበሩዎ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ወፍርታት ሓያሎ ዕጡቓት ከም ዝኣሰሩ የመልክቱ።

ኣመሓዳሪ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ዝዀነ ሚዲያዋ ባክሪ ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበሮ፡ በቲ ዝተገብረ ውሁድ ናይ ምልቃም ስርሒት፡ ተሓቢኦም ዝነበሩ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዕጡቓት ከም ዝሓዙ ይገልጽ። ከም መግለጺ እቲ ኣመሓዳሪ እቶም ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ዘለዉ ዕጡቓት፡ ኣብቲ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ሰለማውያን ዜጋታት ንጎረቤት ሃገር ጫድ ዘሳደደ ምክልባት ወሳኒ ተራ ዝነበሮም’ዮም።

ከም ሓበሬታ እቲ ኣማሓዳሪ፡ ብኣማኢት ዝቑጸር መሳርሒ ኲናት ብመንግስቲ ምትሓዙን፡ ኣብቲ ኮማዊ ግጭት ዘገልግላ ዝነበራ ኣስታት 30 ሞቶር-ብሽኽለታ’ውን ተታሒዘን ኣለዋ። ካብ ዋናታታ ተወሲደን ዝነበራ ኣስታት 200 ከብቲ’ውን በቲ ስርሒት ተመሊሰን ዋናታተን ኣብ ምልላይ ከም ዘለዉ እቲ ኣማሓዳሪ ይጠቅስ።

ብ4 ታሕሳስ ናይዚ ዓመት’ዚ ኣብ መንጎ ኣርባሕቲ ከብቲን ገፈፍቲ ዓሳን ብዝተወልዐ ኮማዊ ግጭት፡ መብዛሕትኦም ቈልዓ፡ሰበይቲ ዝዀኑ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም’ዮም።

ፕረዚደንት ፖል ቢያ፡ ዓበይቲ-ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን መዚዙ፡ ዕርቂ ከካይድ ዝሓለፈ ሰሙን ናብቲ ቦታ ልኡኻት ሰዲዱ ነይሩ።

ሓደ ካብቶም ንዕርቂ ዝተላእኩ ጥሮተኛ ኮሎነል ሓማድ ካልካባ ማልቦም፡ ደሓን ምርግጋእ ስለ ዘሎ ነበርቲ ንዓዶም ክምለሱ ይጽውዑ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

“ፕረዚደንት ናብዚ ቦታ ዝለኣኸና፡ ህዝቢ ንኽረጋጋእ ክንሕብር’ዩ። ነቲ ዝዓነወ ወገናት መንግስቲ ኣብ ምህናጹ ክሰርሕ’ዩ። ንምዕባለ እዚ ኣከባቢ’ውን ሓቢርና ክንሰርሕ ኣሎና። እዚ ከባቢ ብጥሩፋት ወገናት ቦኮ-ሓራም’ውን ብዙሕ ሃስያ ወሪዱዎ’ዩ።”

ዕጡቓት ቦኮ-ሓርም፡ ካብ 2014 ኣትሒዞም፡ ኪንዮ ማእከላይ ቦታኦም ናይጀርያ፡ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ካሜሮን፡ ጫድን ኒጀርን ከስፋሕፍሑ ጀሚሮም’ዮም። ብሰንኪ ቦኮ-ሓርም ኣስታት 30-ሽሕ ህዝቢ ተቐቲሎም፡ ካልኦት 2 ሚልዮን ዝበጽሑ ድማ ካብ መንበሪኦም ከም ዝተመዛበሉ ወግዓዊ ምንጭታት ይጠቕሱ።

መንግስቲ ካሜሮን ነቲ ዝዓነወ ትሕተ-ቅርጺ ንምጽጋን፡ $300 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ባጀት ከም ዝሰለዐ የመልክት።

መንግስቲ ካሜሮን፡ ነቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኮማዊ ግጭት ንምህዳእ፡ ብረት ዝሓዙ ዜጋታት ብረቶም ንመንግስቲ ከረክቡ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተወልዐ ኮማዊ ግጭት፡ ኣስታት 65-ሽሕ ዜጋታት ናብ ጎረቤት ሃገር ጫድ ክስደዱ እንከለዉ፡ ካልኦት 15-ሽሕ ዝበጽሑ ድማ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ተመዛቢሎም ምህላዎም ይጽብጽብ። እቲ ኣሃዝ ካብኡ ንልዕሊ ክዓቢ ከም ዝኽእል ግን ግምታት ኣሎ።

XS
SM
MD
LG