ዋሽንግተን —
ሰበ ስልጣን ኤርትራን ደገፍቶምን ዶባት ሰጊሮም ንዝወቅስዎም አካላት ዒላማ ይገብሩ’ለው ክብል ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣፍሊጡ።
ኤርትራ ኣብቲ ንምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዝቆመ ዓለምለኸ ትካል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት አባል ኾይና ተቐሚጣ ኣብ ዘላትሉ ኣብ ወጻኢ ዘለው ሰብ ስልጣናት መንግስቲን ደገፍቶም ኣብ ስደት ንዝርከቡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ተቓወምቲን ነቲ ጸቓጢ ስርዓት ስለዝወቀሱ ጥራይ የሰራጥይዎም ኣለው ክብል ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ወቂሱ’ሎ።
አምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብቲ መግለጺ ብፍላይ ኣብ ኬንያ: ሆላንድ: ኖርወይ: ሽወደን፡ ስዊዘርላንድን ብሪጣንያን ዝርከቡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ደገፍትን ሰበ ስልጣናትን መንግስቲ ኤርትራ መጥቓዕቲታት ተፈጺምዎም ኣሎ። እዚ’ውን ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ሰኒድዎ’ሎ።