ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ ስልጣን ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ምዝርራቦም ተገሊጹ


ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ምስ ቀ/ሚ ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ምስ ቀ/ሚ ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ

ሰበ ስልጣን ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ልዕሊ ዞባዊ ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ ትዊተር ኣቶ የማነ ገ/መስቀል ገሊጹ።

ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ‘ፕረዚደንት ኢሳያስ ዝላኣኽዎም ኣጋይሽ ሎሚ ምስ ቀ/ሚ ዓብደላ ሃምዶክ ተራኺቦም፣ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ’ ጠቂሶም።

‘ክልቲኦም ወገናት፣ ኣገዳስነት ሓቢርካ ምስራሕ ኣብ ልዕሊ ውሽጣዊን ደጋዊን ብድሆታት ከምዘተኮሩ’ውን’ ትዊተር ኣቶ የማነ ጠቂሱ።

ልኡኻት ኤርትራ፣ ንሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፣ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዝኾኑ ኣቶ የማነ ገ/ኣብ ዝሓቆፈ ከምዝኾነውን ተገሊጹ'ሎ።

XS
SM
MD
LG