ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ቻይና ኣብ ጅቡቲ ካብ ዝርከብ ወታሃደራዊ መደበራ ብዘይጥንቃቐ ሓደገኛ ጨረር ምፍናዋ ይኸሱ


ኣሜሪካ: ቻይና ኣብ ጅቡቲ ኣብ ጥቃ ዝርከብ ወታሃደራዊ መደበራ ብዘይጥንቃቅር ሓደገኛ ጨረር ብምፍናው ንቻይና ተሓታቲት ከምትገብራ ሰበ ስልጣን ኣፍሊጦም።

ሚንስትር መከላከሊ ቻይና ብወገኑ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ክስታት ሓሶት ክብል ኣፍሊጡ’ሎ።

ወሃቢት ቃል ቤት ዕዮ ወጻኢጉዳያት ቻይና ከምዝበልኦ ቻይና ነቲ ብኣሜሪካ ዝቐረበ ክስታት ብቁም ነገር ርእያ ብዝመርመረቶ መሰረት አልቦ ምኻኑን ገሊጸን።

ናይ ኣሜሪካ ወሃቢት ቃል መከላከሊ ብወገነን ሓደ ዝለዓለ ብርኪ ወታሃደራዊ ጨረር ካብ ወታሃደራዊ መደበር ቻይና እንተወጺኣ ስለስተ ጊዜ ተተኩሱ ንክልተ ኣሜሪካዊያን ዘወርቲ ነፈርቲ ቅልል ዝበለ ጉድኣት ኣውሪዶምሉ።

ሰበ ስልጣን ምክልካል ኣሜሪካ ንሰራሕተኛታት ነፈርቲ ሓደጋ ዘውረደሎም ንደሕንነት እቲ ከባቢ’ውን ዝጎድ እ’ዩ ኢሎም።

እዚ ኹነት ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ቻይና ድሮ ብሰንኪ ጉዳያት ንግዲ ንዝተፈጥረ ውጥረት ንምህዳ እ ኣብ ዝፈተናሉ መሊሱ ከየጋድድ የስግእ።

ርእይቶታት ንምርኣይ (7)

እዚ መድረኽ'ዚ ተዓፅዩ'ሎ
XS
SM
MD
LG