ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን ጅቡቲን ብዛዕባ ናብ ጅቡቲ ዝኣትው ፕሮጀክት ጽሩይ ዝስተ ማይ ዘትዮም


ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያን ጅቡትን ብዛዕባ ናብ ጅቡቲ ዝኣቱ ጽሩይ ማይ ዘትዮም። ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያን ጅቡትን ኣብ ክልል ሶማልያ ዞባ ሲቲ ተረኺቦም: ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሩ ናብ ጁብቲ ቀረብ ዝስተ ማይ ዘቕርብ ፕሮጀክት ተዓዚቦም ኣለዉ።

ኣብ`ቲ ፕሮጀክት ኣለዉ ዝብሃሉ ጉድለታት ዝገምገሙ ክኾኑ ኸለዉ፡ ሰብ-ሃብቲ ጅቡቲ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ክልል ሶማልያ ወፍሪ ዝገብርሉ ዕድላት`ውን ተመያይጦም።

እቲ ብቐዳማይ ሚንስትር ዓበደልቃድር ካሚል ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ጅቡቲ ምስ ምኽትል ኣመሓዳሪ ክልል ሶማልያ ኢብራሂም ዑስማን ብምዃን`ዮም ነቲ ፕሮጀክት ማይ ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።

አቶ ኢብራሒም ዑስማን ኣብቲ እዋን ክዛረብ ከሎ፡ ብመሬትን ብኣየርን: ብንግዲ: ብወደብ: ብርክባት ህዝብን ካልኦትን ጥብቕ ዝበለ ምሕዝነት ዘለወን ኢትዮጵያን ጅቡትን ብቁጠባ ናይ ምትእስሳር ዕላማታት ካብ ዘለዎ ስራሓት ሓደ እዚ ናይ ማይ ፕሮጀክት`ዩ ኢሉ ።

XS
SM
MD
LG