ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ ስልጣን ስለያ ኣሜሪካ ዝወደቐት ነፋሪት ዩክሬን ብጸረ ነፈርቲ ኢራን ተወቒዓ ክትኸውን ትኽእል’ያ ኢሎም ከምዝኣምኑ ገሊጾም


ሰበስልጣን ስለያ ኣሜሪካ ካብ ከተማ ቴህራን ምስተበገሰት ድሕሪ ደቓይቕ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ዩክሬይን ብናይ ኢራን ፀረ ነፈርቲ ሚሳይል ተወቒዓ እያ ተሓምሺሻ ኢሎም ከምዝኣምኑ መሓውራት ዜና ኣሜሪካ ይፅብፅባ ኣለዋ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ሎሚ ሓሙስ ብዛዕባ’ታ ነፋርቲ ተሓቲቶም ክምልሱ ከለው “ሓደ ሰብ ጌጋ ፈፂሙ ክኸውን ይኽእል እዩ’’ኢሎም ።እታ ነፋሪት ኣብ ሕማቕ ከባቢ ትበርር ብምንባራ ክብሉ’ውን ኣብሪሆም።

መርመርቲ ኢራን እታ ነፋሪት ቅድሚ ምውዳቓ ንድሕሪ ክትምለስ ፈቲና ነይራ ክብሉ ገሊፆም።ፓይለት ግን ፀገም እንተነይሩ ናይ ሬድዮ ርክብ ኣይገበረን።

ናይ ዩክሬይን ፕረዚደንት ቮሎዲይምር ዘለንስኪ ብሞት 167 ተሳፍርትን 18 ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪትን ሎሚ ሓሙስ ናይ ሓዘን መዓልቲ ክኸውን ኣዊጆም።ካብቶም ዝሞቱ 82 ኢራናዊያንን 63 ድማ ካናዳዊያን ይርከቡዎም።

ኢራን ብካል ቦክስ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ናይ ድምፂ መቕረፂ መሳርሒ ንኣሜሪካ ይኹን ንቦይንግ ከምዘይትህብ ገሊፃ’ላ።

XS
SM
MD
LG