ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ-ስልጣን ሚንስትሪ ገንዘብ ኣሜሪካ፡ ኣብ ኤርትራ ፈላማይ ዑደት ይገብሩ


ሰበ-ስልጣን ሚንስትሪ ገንዘብ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ፈላማይ ዑደት ከምዝገበሩን፡ ብዛዕባ ቁጠባዊን ፋይናንሳውን ጉዳያት ከምዝዘተዩን ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣመልኪቱ።

እቶም ሓለፍቲ ሚንስትሪ ገንዘብ ኣሜሪካ፡ ኣብ ኣስመራ ምስ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ፡ ምስ ሓለፍቲ ፋይናንስ፡ ባንክን ክኢላታትን፡ ተራኺቦም ብዛዕባ ቁጠባን ፋይናንሳዊ ጉዳይትን ምዝርራቦም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ`ሎ።

እቶም ኣሜሪካውያን ሰበ-ስልጣን ሚንስትሪ ገንዘብ፡ ኣብ ኣስመራ ምስ ሚንስተር ገንዘብ ኣቶ ብርሃነ ሃብተማርያምን ምስ ሓላፊ ኤኮኖሚ ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ምርኻቦም ብስእሊ ካብ ምርኣይ ሓሊፉ፡ ዝርዝር ዘተን ዝተገብረ ስምምዕ እንተሃልዩን፡ ካብ`ቲ ኤምባሲ ኮነ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝተረኽበ መብርሂ የለን።

XS
SM
MD
LG