ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ-ስልጣን ሕ/ሃ ኣእካል ብጸሊም ባሕሪ ክሓልፍ ዘኽእል ውዕል ኣብ ምሕዳስ ይሰርሑ


ፋይል
ፋይል

ሰበ-ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ዘብቅዕ ኣእካል ንምሕላፍ ዘኽእል ስምምዕ ተበግሶ ጸሊም ባሕሪ ንምሕዳሱ ኣበርቲዖም
ይሰርሑ'ለዉ።

እዚ ውዕል እኽሊ ካብ ዩክሬን ናብተን ጥምየት ዘስግኣለንን ናህሪ ዋጋ ኸኣ ንሰባት ናብ ድኽነት ዝሸመለን ዘሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ኤስያን ካልኦት ከባቢታትን እኽሊ ክሕግዝ ዝገብር እዩ።

ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቲፋን ዱጃረክ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ንሪፖርተራት ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ሓቂ እዩ ስርዓተ ክፍሊት ብዝምልከት ገለ ዝርኣ ዕንቅፋታት ኣሎ እዩ ግን ትርጉም ዘለዎ ምዕባለ ተገይሩ'ሎም።

ሩስያን ዩክሬን ኣብ ዓለም ከም ስርናይ: ስገምን ዘይቲን ዘሎ ምህርታት ብዝሒ ኣእካል ዘቅርባ ሃገራት እየን። ሩስያ ንሰንሰለት መግቢ ዓለም ኣድላይ እዩ ብምባል ተፍርዮ ድኹዒ ንሰደድ ክሓልፍ ዘይምኽኣሉ ተማርር።

XS
SM
MD
LG