ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ ስልጣን ሕ/ሃ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ምስ ዝርኸቡ ቀ/ሚ ሱዳን ነበር ተራኺቦም:ተዘራሪቦም


ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ቮልከር ፐርተዝ ካብ ስልጣን ምስ ዝተኣለዩን ኣብ መንበሪኦም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘለው ዝንገርን ቀዳማይ ሚኒስትር ዓብደላ ሓምዶኽ ተራኺቦም:ተዘራሪቦም።

ዋና ከተማ ሱዳን ካርቱም ድሕሪ ናይ ብቅድሚ ትማሊ ቀዳም ተቓውሞ ሰልፊ ሎሚ ሶኑይ ኩነታት ቀስ ኢሉ ናብ ንቡር ይምለስ ምህላው ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ይገልጽ።ብቅድሚ ትማሊ ቀዳም ብዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሰለስተ ሰባት ብሓይልታት ፀጥታ ከምዝተቐተሉ ተፈሊጡ ኣሎ።ሰልፈኛታት ዓብደላ ሓምዶኽ ናብ ስልጣኖም ክምለስ ሓቲቶም ኣለው።እቲ መፈንቅለ መንግስቲ ካብ ዝጅምር 12 ሰባት ምሟቶም ተሓቢሩ'ሎ።

ብዝተሓሓዝ ሱዳናዊያን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ንወታሃደራዊ መፈንቅለ መንግስቲ ብምቅዋም ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ፓሪስን ናይ ተቓውሞ ድምፆም ኣስሚዖም።

XS
SM
MD
LG