ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ ስልጣን ሕ/ሃ ኣብ ቶጎጋ ትግራይ ዘተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዘሻቅሎም ገሊጾም


ሓላፊ ኣተሓባባሪ  ሰብኣዊ ጉዳያትን ህጹጽ ሓገዛትን ራምሽ ራያኒንግሃም
ሓላፊ ኣተሓባባሪ  ሰብኣዊ ጉዳያትን ህጹጽ ሓገዛትን ራምሽ ራያኒንግሃም

ኣብ ዕዳጋ ቶጎጓ ትግራይ ትማሊ ሶሉስ ደብዳብ ነፈርቲ ተፈፂሙ: ሰላማዊያ ሰባት ኣቁሲሉን ቀቲሉንን ብዝብል ፀብፃብ ኣዝየ ተረቢሸ ክብሉ በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራትሎሚ ረቡዕ ገሊጾም።

ብዘይካ'ዚ፣ ዕጡቃት ሓይልታት ንመንገዲ ዓጽዮም ኣምቡላንስ ንዝተጎድኡ ግዳያት ናብ ማእከላት ሕክምና ንከይሓልፉ ምኽልካሎም’ውንምሒር ከምዘጨነቆምን ሓላፊ ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያትን ህጹጽ ሓገዛትን ራምሽ ራያኒንግሃም ኣፍሊጦም።

ኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት ኣብ ትሕቲ ዓለምለኸ ሕጊ ንዝተነጸሩ መምርሒታት ንከኽብሩ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ደብዳብ ምፍጻም ብሃውሪ ምጥቃዕን ክልኩል ከምዝኾነ፣ ኣብ እዋን ወትሃደራዊ ስርሒት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ጉድኣት ንከየጋጥም ክሰርሑን፣ ዝቆሰሉ ሰባት ምሉእን ብዘይምድንጓይን ሕክምና ንክረኽቡን ክሕግዙ ጸዊዖም።

ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲን ዝተጎድኡ ናብ ሕክምና ስለምንታይ ንከይሓልፉ ከምዝተኸልከሉን፣ ምሉእን ውጽኢታዊን መርመራ ንከካይዱን ንዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጣሓሱ ናብ ፍርዲ ንከቅርቡን ፀዊዕም።

XS
SM
MD
LG