ዋሽንግተን —
27 ኣባል ሃገራት ዝሓቆፈ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ዩክሬን ናብ’ቲ ሕብረት ንክትጽምበር ንዘቅረበቶ ሕቶ ክዘራረበሉን ክውስንን ሎሚ ሓሙስ ኣኼባ ተኣኪቡ'ሎ።
ሞልዶቭያንን ጆርጅያን’ውን ንኣባልነት ሕብረት ኣውሮጳ ሓቲተን እየን።
እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ሩስያ ኣብ ዶንባስ መጥቃዕቲ ኣብ ዘሐየለትሉ ሕጂ እዋን፣ መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ንዩክሬን ወትሃደራዊ ሓገዝ ከመይ ክልግሱ ከምዝኽእሉ'ውን ኣብቲ ናይ ሎሚ ኣኼባ ክዘራረብሉ እዮም።
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሩስያ ጆን ሱሊቫን "ዩክሬን ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ንክትከውን ዘቅረበቶ ሕቶ ዝድገፍ እዩ" ክብሉ ርእይትኦም ንድምጺ ኣመሪካ ሂቦም።
ርእይቶታት ንምርኣይ
ኣቐዲሙ ዝተዳለወ መእተዊ መዝገብ ኣሎዶ ? መእተዊ መዝገብ
ምዝጉብ ተጠቃሚ ኣይኮንኩምን ? ተመዝገብ/ቢ
ተወሳኺ ርእይቶ ንምጽዓን