ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ ስልጣን ሕብረት ኣውሮጳ'ቲ ሕብረት ንኣባልነት ዩክሬን ከምዝቕበሎ ዘለዎም እምነት ይገልጹ


27 ኣባል ሃገራት ዝሓቆፈ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ዩክሬን ናብ’ቲ ሕብረት ንክትጽምበር ንዘቅረበቶ ሕቶ ክዘራረበሉን ክውስንን ሎሚ ሓሙስ ኣኼባ ተኣኪቡ'ሎ።

ሞልዶቭያንን ጆርጅያን’ውን ንኣባልነት ሕብረት ኣውሮጳ ሓቲተን እየን።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ሩስያ ኣብ ዶንባስ መጥቃዕቲ ኣብ ዘሐየለትሉ ሕጂ እዋን፣ መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ንዩክሬን ወትሃደራዊ ሓገዝ ከመይ ክልግሱ ከምዝኽእሉ'ውን ኣብቲ ናይ ሎሚ ኣኼባ ክዘራረብሉ እዮም።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሩስያ ጆን ሱሊቫን "ዩክሬን ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ንክትከውን ዘቅረበቶ ሕቶ ዝድገፍ እዩ" ክብሉ ርእይትኦም ንድምጺ ኣመሪካ ሂቦም።

XS
SM
MD
LG