ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ ስልጣን ሊብያ ሬሳ ብዳዒሽ ዝተቐትሉ 34 ኢትዮጵያዊያን ምርካቦም ሓቢሮም


ፋይል
ፋይል

ሰበ ስልጣን ሊብያ ሬሳ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ብዳዒሽ ናይ ዝተቐትሉ 34 ኢትዮጵያዊያን ኣብ ዝተቐብርሉ መቓብር ምርካቦም ሓቢሮም።

እቲ ናይ ጅምላ መቓብር ትማሊ ሰንበት ዝተረኽበ ክኸውን ከሎ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ካብ ዝርከቡ አባላት ዳዒሽ ብዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዝተረኽበ'ውን ክፍሊ ምርመራ ገበን ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት'ታ ሃገር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ'ሎ።

ክፍሊ ገበናዊ ምርመራ ሊብያ ብተወሳኺ እቲ ናይ ጅምላ መቓብር ጥቓ ከተማ ሲጥሪ ከምዝርከብ ዘርእይ ቪድዮ ኣውጺኡ'ሎ።

ሬሳ እቶም ኢትዮጵያዊያን ዝግባእ ናይ ውሽጣዊን ዓለምለኸ መስርሕ ምዝዛም ናብ ሃገሮም ከምዝለአኽ ሰበ ስልጣን ሊብያ ሓቢሮም ኣለው።

ዳዒሽ ንመቦቀል ዓዲ መራሒ ሊብያ ነበር መሓመድ ጋዳፊ ሲጥሪ ኣብ 2015 ዝተቆጻጸርዋ ክኮኑ ከለው ኣብ 2016 ሓይልታት መንግስቲ ነታ ከተማ ምምላሶም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG