ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበስልጣን ጥዕና ኣፍሪቃ ናይታ ኣህጉር ናይ ክታበት ቅልጣፈ ምዝሕታሉ ሓቢሮም


ሰበስልጣን ጥዕና ኣፍሪቃ ናይታ ኣህጉር ናይ ክታበት ቅልጣፈ ምዝሕታሉ ተዛሪቦም።እዚ ነቲ ለበዳ ደውው ንምባል ስኽፍታ ፈጢሩ ኣሎ።ኣፍሪቃዊያን እቲ ክታበት ብኮቫክስ ኣቢሉ ምስ በፅሐ ብቕልጡፍ ክኽተቡ ይፅውዑ ኣለው።

ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ንኣፍሪቃ ዝጥምት ክፍሊ ኣብዚ ቅንያት በዓላት ሰባት ነቲ ለበዳ ንምክልኻል ዝገብሩዎ ፃዕሪ ሸለል ከይብሉዎ የጠንቅቕ ኣሎ።

ዳይረክተር ማእከል ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ ጆን ከንጋሶንግ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ብዝሒ ክታበት ኮቪድ 19 ክረኽቡ ዝደልዩ ሰባት ነኪዩ ኣሎ ኢሎም።ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝኣተወ ብዝሒ ክታበት 55 ሚእታዊት ጥራሕ ኣብ ጥቕሚ ምውዓሉ እውን ወሲኮም ገሊፆም።

ካብ 1.3 ቢሊዮን ህዝቢ ኣፍሪቃ ዛጊት 10 ሚእታዊት ህዝቢ ጥራሕ እዩ ተኸቲቡ ዘሎ።

ኣብ ቦስ ትዋናን ደቡብ ኣፍሪቃን ብዝለዓለ ቕልጣፈ ዝመሓላለፍን ንክታበት ዝፃወርን ተባሂሉ ዝእመነሉ ሓዱሽ ዓይነት \ቫሪያንት\ ኮሮናቫይረስ ምርካቡ እውን ተፈሊጡ።ኣብ ኣፍሪቃ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ 8.6 ሚሊዮን ሰባት ዝሞቱ ድማ 221,000 ሰባት ተመዝጊቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG