ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበስልጣን ስዊስ ካናል ነቲ መትረብ ዓጽያ ዝነበረት መርከብ ተንቀሳቂሳ ጉዕዞ ምቅጻላ ሓቢሮም


ሰበስልጣን ስውዝ ካናል ነቲ ካናል ዓፅያ ዝነበረት ናይ ኣቑሑት መርከብ ተንቀሳቒሳ ጉዕዝኣ ከምጀመረት ገሊፆም።

እታ 400 ሜትሮ ንውሓት ዘለዋ መርከብ ነቲ ካናል ንስያፍ ብምዕፃው ካብ ኣውሮጳ ናብ እስያ ዝኸይድ ጉዕዞ መራኽብ ካብ 23 መጋቢት ጀሚራ ዓፅያቶ ቀኒያ።ትማሊ ሰንበት ልዕሊ 360 መራኽብ ናብቲ ካናል ክእትዋ ይጽበያ ከምዝነበራ ተፈሊጡ ኣሎ።

ግብፂ ነዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ካብ ሓሙሽተ ቢሊዮን ክሳብ ሽዱሽተ ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ዘርከበላ ስዊዝ ካናል ክኽፈት ብሃንቀውታ ክትፅበዮ ዝፀንሐት እዩ።

XS
SM
MD
LG