ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበስልጣን ሃገራት ኣፍሪቃ ክፍለ ኣህጉራዊ ስምምዕ ንግዲ ተፈራሪሞም


ሰበስልጣን ሃገራት ኣፍሪቃ ክፍለ ኣህጉራዊ ስምምዕ ንግዲ ድሕሪ ምፍራሞም ኣፍሪቃ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ሰላምን ብልፅግናን ትኣትው ዘላ ትመስል ኢሎም።

ወነንቲ ዝዓበየ ቁጠባ ኣፍሪቃ ዝኾና ናይጀሪያን በኒንን ሓዊሱ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓዱሽ ናይ ኣፍሪቃ ክፍለ ኣህጉራዊ ነፃ ናይ ንግዲ ከባቢ ንምምስራት ትማሊ ሰንበት ኣብ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ተፈራሪሞም ኣለው።ኤርትራ ኣብቲ ስምምዕ ዘይኣተወት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምዃና ተፈሊጡ’ሎ።

እዚ እንተድኣ ተዓዊቱ 3.4 ትሪሊያን ዶላር ዝንቀሳቐሰሉ ደንበ ነፃ ንግዲ ናብ ዕድል ስራሕን ዕብየትን ዘምርሕ እዩ ክብሉ ክኢላታት ይትንብዩ።

‘’ነዊሕ ዓመታት ዘቑፀረ ሕልሚ ተጋሂዱ’ሎ።መስረት ናይዚ ደንበ ዝኾኑ ወለድና ክኾርዑ ኣለዎም‘’ ክብሉ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ሓቢሮም።

ርእይቶኹም

ርእይቶ ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG