ዋሽንግተን —
ኣብ ካሜሩን ዝርከቡ ጉጅለታት ተሓለቅቲ መሰላት ሰራዊት ካሜሩን ደገፍቲ ክፍለዩ ዝደልዩ ተዋጋእቲ’ዮም ናይ ዝበልዎም ሰባት ኣባይቲ ብሓዊ ኣንዲዶም ኣብ እዋን’ዚ ናይ በዓል ግዜ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት መንበሪ ኣልቦ ጌሮም ብምባል ከሲሶም።
ጉጅለታት ሲቪል ማሕበራት ካሜሩን በዚ ብናይ’ዚ ሰሙን’ዚ መጥቃዕቲ ኣባይቲ ኣልቦ ዝኾኑ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ኣባይተ ክርስትያናት ተዓቑቦም ምህላዎም ገሊጾም።
ገለ ካብቶም ኣባይቲ ኣልቦ ዝኹኑ ምስ ኣዝማዶምን ካልኦት ገበረቲ ሰናይ ዝኾኑ ኣባላት ማሕበረሰብን ተፀጊዖሞም ከምዘለዉ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ካሜሩን ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ገሊፃ’ላ።
እቲ ሰራዊት ግን ነዚ ዝቀረቦ ክሲ ምንዳድ ኣባይቲ ሰላማውያን ሰባት ኣሉታ ሂብሉ’ሎ።