ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ሰራዊት ኤርትራ ገና ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ኣሎ” ኣምባሳደር ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ


ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነት ሊንዳ ቶማስ፡ግሪንፊልድ፡ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ናብ ዶባቶም ደኣ ይጸግዑ እምበር፡ ገና ግን ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ኣለዉ” ኢላ። ኣምባሳድር ሊንዳ ተወሳኺ ሓበሬታ ደኣ ኣይትሃብ እምበር፡ ሰራዊት ኤርትራ ንኸወጽኡ ከም ዝተሓተቱ’ውን ጠቒሳ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንዘረባ እታ ኣምባሳድር ኣመልኪቱ ካብ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ምላሽ ከምዘይረኸበ ይሕብር።

ላዕለዋይ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝዀነ ሜጀር ጀነራል ተሾመ ገመቹ፡ ብቐዳም ንወኪላት ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ኣብ ክልል ትግራይ፡ ብዘይካ ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ናይ ካልእ ሓይሊ የሎን፡” ኢሉ ነይሩ። እንተዀነ ወሃብ ቃል ህወሓትን ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ክልል ትግራይን ዝዀነ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ብትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ ምላሽ፡ ንዘረባ እቲ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ብምቅዋም፡ “ገና ኣሽሓት ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ መሬት ትግራይ ኣለዉ” ኢሉ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ መብርሂ ንምርካብ፡ ካብ ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ፡ ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን፡ ወሃብ-ቃል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮነሬል ጌትነት ኣዳነ ዝገበሮ ፈተነ ከም ዘይሰለጦ ኣመልኪቱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG