ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንክወጽእ' ኣሜሪካ ጸዊዓ 


ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ "ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ይዋግኡ ከምዘለው ተኣማኒ ጭብጢታት ኣሎ፣ እዚ ነገር’ዚ ከቢድ ምዕባለ እዩ። ስለዚ እቲ ሰራዊት ብህጹጽ ካብ ኢትዮጵያ ንክወጽእ ንሓትት"ኢሉ ።

መግለጺ ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ወሲኹ "ኣብ ክልል ትግራይ፣ መግሃስቲን መጥቃዕቲን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸመ ፈሊጥና ኣለና፣ ኩሎም ወገናት፣ ንሰብኣዊ መሰላትን ዓለም ለኻዊ ሕጊታትን ከቅየዱ" ይግባእ ይብል ።

መግለጺ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ "ንሕናን ዓለምለኻዊ መሻርኽትናን፣ እቶም ዝተፈጸሙ ሪፖርታት መግሃስቲ ብናጻ ወገን ክጻረዩን፣ ፈጸምቲ’ቲ ገበን ናብ ፍርዲ ንክቀርቡን ንሓትት ኣለና"ድሕሪ ምባል ተዋጋእቲ ወገናት፣ ንሰላም ክሰርሑ፣ ንስደተኛታት ወሲኹ፣ ንሰላማዊያን ሰባት ካብ ጥቅዓት ከድሕኑ፣ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ቀረባት ብዘይደረት ንክሓልፍ ከኽእሉ’ውን ጸዊዑ።

መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ’ዚ ሓድሽ ምዕባለ’ዚ ዛጊድ ዝሃቦ ወግዓዊ መልሲ የለን። ኣብ ምጅማር እቲ ውግእ ግና ‘የለናሉን’ ከምዝበለ ዝዝከር እዩ። ህወሓት ብተደጋጋሚ ‘ሰራዊት ኤርትራ ኣብ’ቲ ውግእ ይሳተፍ ኣሎ’ ክብል ድሕሪ ዝሃቦ ተደጋጋሚ ክሲ፣ መልሲ መንግስቲ ኤርትራ ንምርካብ ኣብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ፣ ሓደ መንነቶም ዘይተገልጹ ኤርትራዊ ባዓል ስልጣን ‘ንበለኻ ለኽዐካ መልሲ ኣይንህብን’ ኢሎምና ኣለው።

መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን እንተኾነ፣ነዚ ዳሕረዋይ መግለጺ ሚኒስትር ወጻኢ አሜሪካ ዝሃቦ ወግዓዊ መልሲ የለን። ኣብ ናይ ትማሊ ዜና ከምዝጠቀስናዮ ግና፣ ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ፣ ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዩ ጉተረዝ ‘ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ዘሳሓሕቡ ዝነበሩን ንኤርትራ ብዳይነት ኣብዝተዋሃቡን ከባቢታ ጥራሕ’ዮም ዘለው ኢሎምዎም’ ዝብል ሪፖርት ከምዝጸብጸብና ዝዝከር እዩ።

XS
SM
MD
LG