ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣብ ሰላማዊያን ሰባት ተኹሲ ከፊቶም 3 ሞይቶም 19 ቆሲሎም' ኣምንስቲ


ወታሃደራት ኤርትራ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ከተማ ዓድዋ ንሰለስተ ሰባት ከምዝቀተሉን ብውሑድ ን19 ከምዘቁሰሉን፣ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከረጋግጽ ከምዝካኣለ ገሊጹ።

ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ጠቂሱ ኣምነስቲ ከምዝሓበሮ "በታ ከተማ ይሓልፉ ዝነበሩ ወታሃደራት ኤርትራ፣ ኣብ ጥቃ መናሃርያ ኣብ ልዕሊ ሰባት ሃንደበት ከምዝተኮሱ" ጠቂሱ።

ሓላፊት ኣምነስቲ ጨንፈር ቀርኒ ኣፍሪቃ ሳራ ጃክሰን"ብሰንኪ ዘይሕጋዊ መጥቃዕቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት፣ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም 19 ሰባት ኣብ ሆስፒታል ኣትዮም። ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ኮነ ኢልካ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ብዓለምለኸ ሕጊ ክልኩል ስለዝኾነ ደው ክብል ኣለዎ’ ኢላ ።

አምነስቲ ወሲኹ "ኣብ’ቲ ይቅጽል ዘሎ ውግእ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ብዛዕባ ዝባሃሉ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ንገበን ኩናትን ምናልባሽ’ውን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊነት ዝተፈጸመ ገበንን ንቅትለት ኣብ ዓድዋ ሓዊሱ፣ ዓለምለኸ መስርሕ ምጽራይ ንክካየደሉ ጸዊዑ"።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ኣገልግሎት ዜና ሮይተር ከምዝሓበሮ "ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣለው’ዶ ኣይፋሉን? ንዝብል ዝቀረበሉ ሕቶ ዘይመለሰ ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገ/መስቀል፣ ሰራዊት ኤርትራ ንሰላማዊያን ሰባት ኣይቀትልን፣ ትርጉም ዘይብሉ ምቅታል ሰላማዊያን ሰባት ብሰራዊት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘበገሰቶ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ዘበናት ውግእ ኣይተከሰተን’ ከምዝበለ ጠቂሱ።

Recommended

XS
SM
MD
LG