ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኣኽሱም ቅትለት ከምዝፈጸሙ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊጹ 


ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ነቲ ኣብ ኣኽሱም ተፈጺሙ ንዝበሎ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝገልጽ መባእታዊ ሪፖርት ሎሚ ረቡዕ ዘርጊሑዎ ኣሎ።

ብስሩዕን ዘይስሩዕን ኣገባብ ኣብ አኽሱም ከቢድ መግሃስቲ መሰላት ከምዝተፈጸሙ ዝሕብሩ ሪፖርታት ይቃልሑ ከምዝነበሩ ዝጠቀሱ በዓል ስልጣን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣቶ ኣስመላሽ ዮሃንስ፣ እንተኾነ ናብ’ቲ ስፍራ ኣቲና ክነጻርዮ ኣይካኣልናን ነይርና ይብሉ።

"ኣብኡ ምስከድና ዝተዓዘብናዮ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋን ከበድቲ መግሃስቲታት ምፍጻሞም ሪኢና አለና። ካብ ሕዳር 9 ክሳብ 16፣ ድሒሩ ድማ ካብ ሕዳር 19 ክሳብ 21፣ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዘሎ ጊዜ ድማ ሰባት ብሰንኪ ሰዓት ሕላፍ ይቅተሉ ከምዘለው ኣረጋጊጽና ኣለና" ኢሎም።

ብመሰረት ዘካየድኩምዎም መስርሕ ምጽራይ ፈጸምቲ እቲ ቅትለት ኣብ አኽሱም መን እዮም ንዝብል ዝቀረበ ሕቶ ኣቶ ኣስመላሽ ዮሃንስ ዝሃብዎ መልሲ፣ "ካብ 9 ክሳብ 16 ሕዳር ዝተፈጸመ ቅትለት ብሰራዊት ኢትዮጵያ ሰራዊት ኤርትራን ዝተፈጸመ ቅትለት ከምዝኾነ መርተዖታት ሓቢሮምና አለው። ካብ 19 ክሳብ 21 ሕዳር ኣብ ዝነበረ ቅትለት ግና ብሰራዊት ኤርትራ ብዙሕ ህይወት ሰባት ከምዝጠፍአ፣ ኣብ ልዕሊ ሰባት ከቢድ ኣካላዊ ጉድአት ከምዝወረደ እዩ መርተዖታት ዝሕብሩ" ኢሎም።

ድሕሪ 21 ሕዳር ዝተፈጸሙ ቅትለታት እንደገና ብሰራዊት ኢትዮጵያን ሰራዊት ኤርትራን ዝተፈጸሙ ቅትለታት ከምዝኾኑ’ውን እቶም በዓል ስልጣን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓቢሮም።

ካብ ኣክሱም ወጻኢ ኣብ መላእ ትግራይ ዝተፈጸሙ ግህሰታት ብዕምቆት ንምምርማር ዝምልከቶም ኣካላት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ፌደራላዊን መንግስታት ሓገዝ ንከበርክቱ ኣቶ ኣስመላሽ ዮሃንስ ሓቲቶም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG