ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ኣሜሪካ ካብ ሶማል ምውጻእ መስርሕ ምዝዛሙ ተገሊጹ


ሰራዊት ኣሜሪካ ካብ ሶማል ናይ ምውጻእ መስርሕ ምዝዛሙ ናይ ኣሜሪካ እዚ ኣብ ኣፍሪቃ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ኣፍሪኮም ኮነሬል ክሪስቶፈር ፒ ካርንስ ምውጻእ ናይ መወዳእታ ክፋል’ቲ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዝነበረ ሰራዊት ኣሜሪካ ካብቲ ተመዲብሉ ዝነበረ ጊዜ መፋርቅ ወርሒ ጥሪ ኣብ መፋርቅ ወርሒ ታሕሳስ ብዝተዋህበ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ መሰረት ኣቐዲሙ ምውጽኡ ንድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ቋንቋ ሶማል ሓቢሮም ኣለው።

ቁጽሪ ኣብ ሶማል ተዋፊሮም ዝጸንሑ ሰራዊት ኣሜሪካ ካብ 650 ክሳብ 800 ከምዝኸውንን ኣብ ‘ዳናብ’ ወይ ‘መብረቅ’ ዝተባህለ ፍሉይ ብርጌድ ኣብ ምስልጣን ክሰርሑ ምጽንሖም ይግለጽ ወሃቢ ቃል ኣፍሪኮም ብተወሳኺ ብቁጽሮም ውሑዳት ወታሃደራት ኣብ ሶማል ከምዝጽንሑ ሓቢሮም ኣለው

XS
SM
MD
LG