ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ኣሜሪካ ንኣፍሪቃ ዝህቦ ሓገዝ ከምዝቕጽሎ የረጋገጽ


መንግስታት ሃገራት ኣፍሪቃ ሃገራቶም ንምውሓስን ንምርግጋእን ንዘካይድዎም ፃዕርታት ኣሜሪካ ከምትድግፎም ኣዘዝቲ ወታሃደራት ኣሜሪካ ኣፍሊጦም።ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ሻሙናይ ኣኼባ ሓይልታት ምድሪ ኣፍሪቃ ወታሃደራት ኣፍሪቃ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላቶም ንምምምሕያሽ ብምፅዋዕ ተዛዚሙ’ሎ።

ላዕለዎት ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ኣሜሪካ ምስ ኣፍሪቃዊያን መዘናታቶም ብምርኻብ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ህውከትን ዘይምርግጋእን ዝከላኸላሉ መንገድታት ተዘራሪቦም ኣለው።

ኣብ ቀረባ ዓመታት ካብ ቦኮ ሓራምን ኣል-ሸባብን ዝኣመሰሉ ጉጅለታት ግብረሽበራ ዝመፅእ ስግኣት ወሲኹ’ሎ።

ኣብ ኣፍሪቃ ኣዛዚ ሰራዊት ኣሜርካ ጀነራል ሮጀር ክላውቲየር እታ ክፍለ ኣህጉር ኣንፃር ዕጡቓት ጉጅለታት ዝገጥሙ ዝሰልጠኑ ወታሃደራት ክህልዋ ኣለዋ ኢሎም።

“ናይ ፅባሕ ድሕነት ናይ ሎሚ መሪሕነት የድልዮ ዝብል መልእኽቲ ምዕቃብ የድልይ።ኣብ ግደ ኣዘዝቲ ሓይልታት ምድሪ ኣፍሪቃ ኢና ክነተኩር ፀኒሕና።ላዕለዎት መራሕቲ ስርዓታት ምክልኻል ከማዕብሉ፣ብስልጠና ዝዓጠቑ ትካላት ክኾኑ፣ንልዕልነት ሕጊ ዘኽብሩን ዝሰርሑን ሓይልታት፣ኣብ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ድሕነትን ምርግጋእን ኣበርኽቶ ዘወፍዩ ኢና ትኹረት ንገብር ዘለና።”

ካብ 42 ሃገራት ዝመፁ ወኪላት ዝተሳተፉሉ ኣብዚ ዓመታዊ ኣኼባ ሓይልታት ምድሪ ኣፍሪቃ ህውከት ኣብ ምክልኻል፡ ይፍጠሩ ዘለው ስግኣታት ንምምካት ዘለዎም ተመኩሮታትን ንምልውዋጥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣኪቦምምእካቦም ተሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ኣፍሪቃ ወታሃደራዊ ኮማንድ ኣሜሪካ ንልዕሊ ዓሰርተታት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ምሕጋዝ ይርከብ።ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ እስላማዊ ጥሩፍ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ብዙሕ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ/ድሮንስ/መጥቓዕቲ ፈፂሞም እዮም።

ኣብ ዋሽንግተን ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ኣፍሪቃ ወታሃደራዊ ስርሒት ከምዝንኪ ምልክት ሂቡ’ሎ።ብዙሓት ናይ ኣፍሪቃ ክኢላታት ፀጥታ ነዚ ስጉምቲ እዚ ኣንፃር ኣሸበርቲ ጉጅለታት ዝካየድ ግጥም ከም ምቕናስ ሪእዮምዎ ኣለው።

ጀነራል ክላውቴር ግን ሃገሮም ትገድፎም ከምዘየላ ንኣፍሪቃዊያን ወታሃደራዊ መራሕቲ ኣረጋጊፆምሎም ኣለው።

“እቲ ገምጋም ዝጥምቶ ጉዳይ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለና ፀጋታት ምስ ሃገራዊ ናይ ምክልኻል ስትራተጂ ዝኸይድ ምዃኑ ንምርግጋፅ እዩ።ዘለና ፀጋታትና ብብቕዓት ንጠቀመሉ ከምዘለና ንምርግጋፅ ኢና ንፍትን ዘለና።ፃዕርታትና ካልኦት ዝሰርሑዎ ዘይደግም ምዃኑ የግዳስ ዝደጋገፍ ምዃኑ ኢና ነረጋግፅ ዘለና።ስለዚ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ኣሜሪካ ካብ ኣፍሪቃ ትሃድም የላን።ፅምዶና ክቕፅል እዩ።”

ገለ ሓይልታት ፀጥታ ኣፍሪቃ ኣብቲ ዝካየድ ግጥም መናእሰይ ኣብ ጎኒ ናዕበኛታት ጉጅለታት ክሰልፍ ዝኽእል ከቢድ ታክቲክ ብምጥቃም ይኽሰሱ።

ሞስኮን (MOSECON) ብዝብል ስም ዝፅዋዕ ኣብ በርሊን ናይ ዝመደብሩ ትካል ድሕነት/ፀጥታ ዝመርሕ ተንታኒ ያን ሴንቲ ፐር መንግስታት ኣፍሪቃ ናይ ህዝቦም እምነት ክረኽቡ ክሰርሑ ኣለዎም ይብል።

“ዘይሩ ዘይሩ ብዛዕባ ርክብ ምስ ነበርቲ’ቲ ከባቢ’ዩ። ኣብ ካልኦት ከባቢታት’ውን ርኢናዮ ኢና። ኣብ ኣፍሪቃ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ መላእ ዓለም ነበርቲ ሓደ ከባቢ፣ ምስ’ቲ ዋርድያኦም ክኸውን ዝግባእ ሰራዊት፣ ፖሊስ ዘይጽቡቕ ርክብ እንተልይዎም፣ ንፈጠርቲ ራዕዲ ዝፈጥርዎ ሃዋሁው ዕድል ይህብ። ንሰራዊት ድማ ኣይኣምንዎን።”

ፒየር ወሲኹ ሓይልታት ፀጥታ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለምለኸ ረድኤትን ስልጠናን ዝተደረኸ ብምዃኑ ዝፍጥሮ ፀገም እውን ቀሊል ኣይኸውንን ኢሉ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሰራዊት ኣሜሪካ ንኣፍሪቃ ህዝቦ ሓገዝ ከምዝቕጽሎ የረጋገጽ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:24 0:00


XS
SM
MD
LG