ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መቐለ ምውጽኡ ስዒቡ ወለዲ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲታት ክልል ትግራይ ኩነታት ክፈልጡ ዘይምኽኣሎም ገሊጾም


ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መቐለ ምውጸኦም ስዒቡ፣ ወለዲ ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲታት ትግራይ ትምህርቶም ይከታተሉ ዝነበሩ ተማሃሮ’ቶም ተማሃሮ ዝርከብሉ ኩነታት ክንፈልጥ ኣይካኣልናን ኢሎም ።

ንድምጺ ኣሜሪካ ርእቶኦም ዝሃቡ ገለ ወለዲ "ደቅና ምስ ቤተሰቦም ኣራኽብዎም" ዝብል ምሕጽንታ፣ መቐለ ንዝተቆጻጸረ ሓይሊ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ንማሕበረሰብ ዓለምን ከምዘቅረቡ’ውን እቲ ዜና ይሕብር።

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፣ ትማሊ ሶኑይ ንመቐለ ከምዝተቆጻጸራ ገሊጹ እዩ። ከም ዘ ዋሽንግተን ፖስትን ሮይተርስን ዝበሉ ዓለምለኻዊ መሓውራት ዜና’ውን ነቲ ዜና ኣረጋጊጾምዎ ኣለው።

ፕረስ ኤርትራ ዝተባህለ ብወገኑ ‘ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ ኢትዮጵያ ከምዝወጸ ሓቢሩ ኣሎ። ኣብ ዛላምበሳ፣ ባድመን ካልኦት ናብ ዶብ ከባቢታት ከምዝሰፈረ’ውን ምንጭታት ይሕብሩ ።

XS
SM
MD
LG