ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ይዕወት'ሎ' ቀዳማይ ሚኒስተር


ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ - ፋይል
ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ - ፋይል

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሰራዊት እታ ሃገር ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ይዕወት'ሎ ክብሉ ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ነዚ ዝተዛረቡ ትማሊ ሰኑይ ካብ ግንባር ኹናት ኾይኖም ብቴሌቭዥን እታ ሃገር'ዮም።

"ወታሃደራትና ንምእማኑ ንምዝራቡን ብዝኸብድ ደረጃ ጀጋኑ'ዮም። ከምዚ ትዕዘብዎ ኹናት ምትዃስ ጥራይ ኣይኮነን። ሓያለ ኪሎ vትር ብእግሪ ምጉዓዝን ምጽማእን ዘለዎ'ዩ። ከይበልዑን ከይሰተዩን ብእግሮም ለይቲን ቀትርን ተጓዒዞም ዮም ነዚ ኹሉ ቦታ ነጻ ዘውጽዕዎ። ዝተረኽበ ዓወት ንምእማኑ ዝኸብድ'ዩ። ብስም ሚኒስትሪ ምክልኻል ሃገር ኣዝዩ ሓበን ተሰሚዑና'ሎ። ብህዝብና ተሓቢና'ለና " ኢሎም።

ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ንመሓውራት እቲ ኽልል ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺን ከምኡ'ውን ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብትዊተር ኣቢሎም ዘውጽእዎ መልእኽቲ ተሳዒሮም ዘይኾነስ ብመሰረት ስትራቴጂካዊ ውጥኖም ካብቲ ሒዞሞ ዝነበሩ ከባቢታት ምውጽኦም ገሊጾም ኣለው።

XS
SM
MD
LG