ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ውድባት ግብረሽበራ ዝብሎም ንገዛእ ርእሶም ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ሓይልታት ትግራይን ዝብሉ ውድባት ጥምረት ምምስራቶም ተገሊጹ


ፋይል- ኣብ መስቀል አደባባይ ከተማ አዲስ አበባ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝተወስደ
ፋይል- ኣብ መስቀል አደባባይ ከተማ አዲስ አበባ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝተወስደ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ጉጅለ ፈጣሪ ራዕዲ ኢሉ ዝሰመዮ ዕጡቕ ሓይሊ ክልል ኦሮሞ ምስ’ቶም ናብ አዲስ አበባ ይምርሹ ዘለው ህወሓት እቶም ተዋጋእቲ “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ” ዮም ዝብሎም ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ግን ተዋጋእቲ ኣካል’ቲ ኣሸባሪ ዝተሰምየ ውድብ ዝብሎም ሓይልታት ወትሃደራዊ ስምረት ንምፍጣር ከምዝተሰማመዐ ኣፍሊጡ።

መራሒ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኩምሳ ድሪባ "ተሪፉ ዘሎ እንኮ ፍታሕ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝርደኦ መገዲ ብውግእ ምዕላው ጥራሕ እዩ" ከምዝበለ ኣሶሴትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ’የ ዝብሉ መራሒ ህወሓት ደብረፅዮን ገብረሚካኤል:ፌደራል መንግስቲ ግን እቲ ክልላዊ ምምሕዳር ፈሪሱ’ዩ ኣብ ትግራይ ስልጣን ዘለዎ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ‘ዩ ዝብል ብወገኖም "ጽጹይ ሓበሬታ ዋላ ኣይሃቡ’ምበር ምስ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ንዘራረብ ኣለና" ከምዝበሉ ሮይተርስ ገሊጹ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ "ኣብ መጻኢ ዕድል ኢትዮጵያ ምስ ዝግደሱ ሰባት ምዝርራብ ትጽበዮ ነገር እዩ" ከምዝበለ እቲ ሪፖርት ሓቢሩ። ካብ ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ዝተሰምዐ ግብረ መልሲ ግና ዛጊት የለን።

መራሒ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኩምሳ ድሪባ (ጃል መሮ) ነዚ ዳሕረዋይ መግለጺ ዝሃበ፣ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ዝኻኣለ ኢትዮጵያዊ ምስ ሰራዊት’ታ ሃገር ተጸምቢሩ ንመብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ተቆጻጺሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝሰገረን ህወሓት ንሓንሳብን ንሓዋሩን ደው መታን ከብሎ ንክዋጋእ ዘቅረብዎ መጸዋዕታ’ዩ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት እቶም ተዋጋእቲ “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ” ዮም ዝብሎም ፈደራላዊ መንግስቲ ግን ተዋጋእቲ ኣካል’ቲ ኣሸባሪ ዝተሰምየ ውድብ ዝብሎም ሓይልታት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ ኣብ ውግእ ተጸሚድና ዘለና፣ ንዝተዓጸው ኩነታት ንምኽፋት ኢና፣ ስርዓት ኣብዪ እንተወዲቁ "ዝላዓለ ሽልማት’ዩ" ከምበለ ኣሶሴትድ ፕረስ ጸብጺቡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG