ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት በርኪናፋሶ ብእስላማውያን ኣኽረርቲ ከቢድ ሰብኣዊ ክሳራ የጋጥሞ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሰራዊት በርኪናፋሶ ብእላማውያን ጥሩፋት ጕጅለ ድሕሪ ዝገጠሞ መጥቃዕቲ ድብያ፡ ብዝሒ ዝሞቱ ሰራዊቱ ናብ 51 ክብ ከም ዝበለ ወግዓውያን ምንጭታት መንግስቲ ኣፍሊጦም። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ መንግስቲ ሬሳታት 43 ሰራዊቱ ድሕሪ ምርካቡ’ዩ።

እቲ ጥሩፍ ጕጅለ ካብ ሓደ ከተማ ናብ ካልእ ዝጓዓዝ ዝነበረ ሰራዊት መንግስቲ ወታሃደራዊ ድብያ ድሕሪ ምግባሩ’ዩ ነቲ ከቢድ ሰብኣዊ ክሳራ ኣውሪዱ። ነቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንምምካት መንግስቲ ተወሳኺ ሰራዊት ትማሊ ሰኑይ እኳ እንተለኣኸ ኣብቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ ሓያሎ ምቝሳሎም ኣፍሊጡ ኣሎ።

ምዕራባዊት ሃገረ በርኪናፋሶ ካብ ጥሩፍ እስላማዊ ጕጅለ ብዘጋጥማ መጥቃዕቲ ኣሽሓት ዜጋታት’ታ ሃገር ክቕተሉ እንከለዉ፡ ንኣስታት ክልተ ሚልዮን ድማ ተጸበይቲ ሓገዝ ገይሩዎም’ዩ።

XS
SM
MD
LG