ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ሶማል 20 ዓድታት ካብ ምቍጽጻር ኣል-ሸባብ ከም ዝመንዘዐ ይገልጽ


ሂራን -ሶማል
ሂራን -ሶማል

ኣንጻር ዕጡቕ ጕጅለ ኣል-ሸባብ ውሁድ መጥቃዕቲ ይግበር ምህላዉ ዘፍለጠ ሰራዊት ምክልኽል ሶማል፡ ድሮ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር እቲ ጕጅለ ዝጸንሓ 20 ዓድታት ናጻ ገይሩ 100 ዝበጽሑ ኣባላት እቲ ጕጅለ’ውን ምቕታሉ ወኪላት ድምጺ ኣመሪካ ካብ መቓዲሾ ኣፍሊጦን።

ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውብ ሂራን ዝተባህለ ዞባ ኲናት የካይድ ከም ዘሎ ዘመልከተ ሓበሬታ እቲ ምክልኻል፡ 20 ኣባላት ኣል-ሸባብ ምምራኹ’ውን ሓቢሩ'ሎ።

ኣዛዚ እቲ ሰራዊት ሶማል ዝዀነ ካፒተን መሓመድ ኢብራሂም ዳውድ፡ ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበሮ፡ ስም ደኣ ኣይጠቀስ እምበር ኣብቲ መጥቃዕቲ ናይ ነፈርቲ ሓገዝ ምርካቦም’ውን ኣመልኪቱ።

ሚኒስትሪ ዜና እታ ሃገር ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ መጥቃቲ፡ ፈላሚ ተበግሶ ኣንጻር ኣል-ሸባብ ዝግበር ዓማሚ መጥቃዕቲ ምዃኑ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG