ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ሶማል ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ኣልሸባብ ዝነበራ ክልተ ዓድታት ምቁጽጻሮም ገሊጾም


ሶባ ሂራን- ሶማል
ሶባ ሂራን- ሶማል

ኣዘዝቲ ሰራዊት ሶማል ሓይልታቶም ብጉጅለ ኣል-ሸባብ ዝተታሕዘ ግዝኣት ዳግም ንምቁፅፃር ኣብ መወዳእታ እዚ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝወሰዱዎ መጥቓዕታት ንልዕሊ 100 ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ከምዝቐተሉ ገሊፆም።

መሰኻኽር ከምዝበሉዎ ኣል-ሸባብ ንልዕሊ 10 ዓመታት ተቖፃፂሩዎም ዝፀንሑ ኽልተ ናይ ገጠር ዓድታት ወታሃደራት መንግስቲ ከምዝተቖፃፀሩ ገሊፆም።

ሃገራዊ ሰራዊት ሶማል ሎሚ ሰኑይ ከምዝገለፆ ወታሃደራት ኣብ ማእኸላይ ዞባ ሂራን ኣብ ልዕሊ ኣል-ሸባብ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ሓዱሽ መጥቓዕቲ ፈፂሞም ኣለው ኢሉ።

ላዕለዋይ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ካብ ዞባ ሂራን ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃል ያሱማን ኣብ ዝተባህለ ቦታ ብዝተኻየደ ውግእ 75 ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ተቐቲሎም ኣለው ኢሉ።

ኣል-ሸባብ ሰበስልጣን መንግስቲ ንዝሃቡዎ ቃል ርእይቶ ኣይሃብሉን።ወሃቢ ቃል ኣል-ሸባብ ማሕሙድ ራጌ ትማሊ ሰንበት ብቪዲዮ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ ግን ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ልዕሊ ጉጅልኡ ዝኣወጆ ኵናት ንምግጣም ድልዊ እዩ ኢሉ።

ፕረዚደንት ማሕሙድ እቲ ጉጅለ ሞቓድሾ ንዝርከብ ሆቴል ብምጥቓዕ ልዕሊ 20 ሰባት ዝሞትሉ ካልኦት 100 ዘቑሰለ መጥቓዕቲ ድሕሪ ምፍፃሙ ምምሕዳሮም ኣንፃር መርበብ ኣል-ሸባብ ‘’ምሉእ ኵናት’’ ኣዊጆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG