ዋሽንግተን —
ሰራዊት ሶማል ንኣልሸባብ ካብ ሰፊሕ ከባቢታት ማእከላይ ግዝኣት’ታ ሃገር ደፊኡ ከምዘውጸኦ መንግስታዊ ሚድያ’ታ ሃገር ገሊጹ።
ሚልሻታት ገለ ነገዳትን ሰራዊት መንግስቲን ቅድሚ ቁሩብ ሳምንታት ኣብ ልዕሊ ኣል-ሸባብ ወፍሪ ከምዝኸፈቱን፣ ንብርክት ዝበላ ኣብ ከባቢታት ጋልጋዱንን በይን ንዝርከባ ቁልፊ ከተማታት ከምዝተቆጻጸሩን እቲ ዜና ጠቂሱ ኣሎ።
ኣብ ቴለቭዥን ዝቀረበ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ውሽጢ ሃገር ኣሕመድ ሞኣሊም "ሰራዊት ሶማልን ሚልሻታት ገለ ነገድን ተሓባቢሮም፣ ንኣልሸባብ ኣብ ማእከላይ ሶማል ስዒሮምዎ" ከምዝበለ’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ ኣሎ።
እንተኾነ ድምጺ ኣመሪካ ነቲ ብወገን መንግስቲ ይዋሃብ ዘሎ ዜና ካብ ናጻ ወገን ከረጋግጽ ኣይካኣለን።
መንግስቲ ሶማል ዝጀመሮ ወፍሪ ምቁጽጻር ከባቢታት ይቃላሕ ዘሎ፣ ሶማል ኣብ ከቢድ ድርቂ ኣብ ዝወደቀትሉን፣ ሕ/ሃ እቲ ሓደጋ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ኣብ ጥምየት ክቅየር እዩ ዝብል መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃቡን እዩ።