ዋሽንግተን —
ኣንጻር ዕጡቕ ጕጅለ ኣል-ሸባብ ኣብ ኲናት ተጸሚዱ ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ሶማል፡ ኣብ ማእከላይ ሸበሌ እትርከብ ኣዳን ያባል እትባህል ከተማ ሓራ ከም ዝገብረ ሓቢሩ። ኣዳን ያባል ካብ ርእሰ-ከተማ ሞቓዲሾ ኣስታት 245 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኰይና፡ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ስትራተጃዊት ስፍራ ኮይና’ያ ጸኒሓ።
ሰራዊት መንግስቲ ኣብቲ ከባቢ ፈንጂ ክኣሪ ምጅማሩ ፈነወ ኣገልግሎት ሶማል ድምጺ ኣመሪካ ኣመልኪቱ።
ኣዘዘቲ ሰራዊት መንግስቲ ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበሩዎ፡ ኣቐዲሞም ንውሽጢ ከተማ ኣትዮም እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብቲ ከባቢ ብሰፊሑ ተተኺሉ ዘሎ ፈንጂታት ንምጽራግ ግን ዳሕራይ ናብ ከባቢ ስሒቦም ኣለዉ።
መንግስቲ ሶማል ካብ ወርሒ ነሓሰ ኣትሒዙ ኣብ ብዝጀመሮ ወፍሪ ኣንጻር ኣል-ሸባብ 68 ዓድታት ካብቲ ጕጅለ ናጻ ምውጻኡን 600 ዝበጽሑ ኣባላት ድማ ምቕታሉን ይሕብር። እዚ ኣሃዝ’ዚ ግን ብናጻ ምንጪ ምርግጋጽ ኣይተኻእለን።