ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ሰራዊት ሱዳን ይደፍእ ኣሎ' ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ 


"ሰራዊት ሱዳን፣ ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ኣሓይሉ ይደፍእ ከምዘሎ" ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣፍሊጦም። ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ "ግብሪ ሱዳን፣ ንዓለምለኻዊ ሕጊ ዝጣሓሰ እዩ" ከምዝበሉ’ውን እቲ ዜና ጠቂሱ።

"ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘለወን ናይ ዶብ ጸገም ክሳብ ዝፈትሓ፣ ክልቲኤን ሃገራት ኣቀዲመን ብመሰረት ዝበጽሓኦ ስምምዕነት፣ ኣብ ዘዘለውኦ ቦታ ንክጸንሓ" እቲ ቤት ዕዮ ኣዘኻኪሩ ኣሎ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ሚኒስትራት ማይ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን፣ ቅድሚ ትማሊ ሰንበት ስሉሳዊ ኣኼባ ኣካይዶም፣ እንተኾነ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ግድብ ህዳሴ ሓድሽ መርገጺ ከምዘንጸባረቀት ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG