ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ሱዳን ዶብ ሰጊሮም ናብታ ሃገር ክኣትው ዝፈተኑ ሓይልታት ኢትዮጵያ ምምላሱ ሓቢሩ


ሰራዊት ሱዳን ብዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሊቖም ንምእታው ዝፈተኑ ሓይልታት ኢትዮጵያ ከምዝመለሰ ትማሊ ሰንበት ኣፍሊጡ።

ወታሃደራዊ መገልፂ ሱዳን ዝርዝር ሓበሬታ ከይሃበ ሓይልታት ኢትዮጵያ ካብ ኡም ባራኪት ንድሕሪት ኣንሳሒቦም ተመሊሶም ኣለው ኢሉ።

ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብዱል ፋታሕ ኣል ቡርሓን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ ቃል እቲ ኣጋጣሚ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ከምዝተፈፀመን ኣብ ፅባሕ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈተነ መፈንቅለ መንግስቲ እቲ ሰራዊት ነታ ሃገር ከመይ ከምዝከላኸል ዝሕብር እዩ ኢሎም።

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ ርእይቶ ክህቡ ዝቐረበሎም ሕቶ ኣይመለሱን።

ኣብ ክልል ትግራይ ግጭት ካብ ዝልዓል ጀሚሩ ኣብ ዶብ ክልትኤን ሃገራት ወጥሪ ንሂሩ ይርከብ።

እቲ ወጥሪ ኣል ፋሽካ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ኣብ ኣሰሓሓቢ ልሙዕ ናይ ሕርሻ መሬት ዝጠመተ እዩ።

XS
SM
MD
LG