ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ሩስያ ነቲ ካልኣይ ዝዓበየ መደብር ኑክሌር ዩክሬን ከምዝተቆጻጸሩ ኣፍሊጦም


ካልኣይ ዝዓበየ መደብር ኑክሌር ዩክሬን
ካልኣይ ዝዓበየ መደብር ኑክሌር ዩክሬን

ሰራዊት ሩስያ፣ ነቲ ካልኣይ ዝዓበየ መደብር ኑክሌር ዩክሬን ከምዝተቆጻጸሩ፣ ሰበ- ስልጣን ዩክሬን ኣፍሊጦም።

ተቆጻጻሪ ኑክሌር ዩክሬን ብወገኑ ካብ’ቲ መደብር ኑክሌር ዝላሗኸ ጨረር ከምዘየለ፣ ስራሕተኛታት እቲ መደብር ኑክሌር ዕለታዊ ስራሕቶም ይፍጽሙ ከምዘለውን ጠቂሱ።

ካብ ርእሰ ከተማ ኪየቭ ኣስታት 700 ኪ/ሜ ርሒቁ ኣብ ዝርከብ ስፍራ ዝተደኮነ መደብር ሓይሊ ኑክሌር፣ ኣስታት 25% ሓይሊ ጸዓት ዩክሬን ዝዝርግሕ ከምዝኾነ’ውን ተገሊጹ'ሎ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ጥቃ’ቲ መደብር ኑክሌር ተወሊዑ ዝነበረ ሓዊ እዋናዊ ምዕባለ፣ መብርሂ ካብ ፕረዚደንት ዩክሬን ከምዝረኸቡ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ (ዋይት ሃውስ) ሓቢሩ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ንሓገዝ ዩክሬን ዝውዕል 10 ቢልዮን ዶላር ንከጽድቅ፣ ምምሕዳር ባይደን ሓቲቱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG