ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ጸወታ-ፓርትታት ዝሳተፍ ክኸውን የብሉን` ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ


ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ አሕመድ ወታሃደራዊ ሰራዊት’ታ ሃገር ኣብ ጸወታ ፓርቲታት ዝሳተፍን ምስ ዝመጸ መጺኡ ዝኸይድ ክኸውን የብሉን ኢሉ። ዶ/ር አብይ ነዚ ዝበለ ንኣዘዝቲ ሰራዊት’ታ ሃገር አኺቡ መግለጺ ኣብ ዝሃበሉ እዋን ምኳኑ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ’ሎ።

ቀዳማይ ሚንስትርን ጠቕላሊ ኣዛዚ ሓይልታት ምኽልኻልን አብይ ኣሕመድ ኣብቲ ሚንስትር ምኽልኻል ሞቱማ መቃሳ፡ ሓለቓ ስታፍ ጀነራል ሳሞራ የኑስ ዝአበሉ ነባር ኣዘዝቲ ሰራዊት ኸምኡ’ውን ኣፈ ጉባኤ ነበር አባዱላ ገመዳን ካልኦትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣኼባ ሰራዊት ምኽልኻል ካብ ፖለቲካዊ ወገንተኝነት ነጻ ዝኾነ መራሕቲ እንተቐያየሩ’ውን ጸኒዑ ደው ዝብል ኽከውን አለዎ ኢሉ።

“ኢህወዲግ ፖለቲካዊ ስርሑ ምስራሕ ስኢኑ ብናቱ ስንፍና ወዲቑ እንተኾኑ ህዝቢ ምስ ዝመረጾ ፓርቲ ክቕጽል ዝኽእል ሰራዊት ክኸውን ኣለዎ ምስ ዝመጸ ፓርቲ መጺኡ ዝኸይድ ሰራዊት እንተኾይኑ ኪሳራ’ዩ።”

ዶ/ር አብይ አሕመድ ኣተሓሒዙ ኣብ ጸወታ ፓርቲታት ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ ዘይሳተፍ ሓይሊ ልክዕ ከም ናይ ተዘዋዋሪ ኹናት ብናይ ርሕቐት መቆጻጽሪ ምትእትታው ዝገብር እንተኾይኑን ጽልዋ ዘሕድር እንተኾይኑ ኣብ ሕንፍሽፍሽ ኢና ክንኣትው ሕንፍሽፍሽ ድማ ዘይሩ-ዘይሩ ዝጎድእ ከም ትካል ንሰራዊት ምክልኻል’ዩ" ኢሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG