አዲስ አበባ —
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህወሓት መጥቃዕቲ ንፍናው ኣብ ምድላው ይረከብ ኣሎ ኢሉ ሌ/ና ጀነራል ባጫ ደበሌ።
ሎሚ ምሸት መግለጺ ዝሃበ ሓላፊ ምደባ ሓይሊ ሰብ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ሌ/ና ጀነራል ባጫ ደበሌ፥ እቲ ሰራዊት ምሉእ ሓይሉ ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ህወሓት መጥቃዕቲ ንምፍናው ተዳሊና ኣለና ኢሉ።
"መኣስን ኣበይን ከም እነጥቅዕ ወሲና ንሰርሓሉ ዘለና ጉዳይ'ዩ። መኣስ ስጉምቲ ምውሳድ ከም እንጅምር'ውን ኣይንገልጽን ኢና " ኢሉ።
ጀነራል ባጫ ኣተሓሒዙ፥ "ክንዋጋእ ከለና ንዶባት ሃገርና ኢና ንዋጋእ፥ ዶብና ድማ መረብ'ዩ፥ ዝኾነ ቀይዲ በተኽ ተላዒሉ ንእትዮጵያ ክበታትን ዘይክእል ምዃኑ ክነርእዮ ኢና፥ ከም ሰራዊት ምክልኻል መጠን ኣበይ ክንሰፍር ከም ዘለና ወሰንቱ ባዕልና ኢና " ኢሉ።
ህወሓት ኣብ ኮረምን ኣላማጣን ንዝርከቡ ውሱናት ዝበሎም ኣባላት ሰራዊት ንምድምሳስ ፈተነ ምግባሩ'ውን ሌ/ጀነራል ባጫ ተዛሪቡ'ሎ።