ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ሰራዊት ምክልካል ኣብ ፕሮግራም ብልጽግና ፓርቲ ክመያየጥ ተገዲዱ ዝብል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ’ዩ’ ብ/ጀ ተሾመ ገመቹ


ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ብልፅግና ፓርቲ ፕሮግራም ክመያየጥ ተገዲዱ ዝብል ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ እዩ ክብሉ ሓደ ላዕለዋይ መኮነን እቲ ስራዊት ሓቢሮም።ንሶም ወሲኾም ኢትዮጵያ ካብ ፖለቲካ ገለልተኛ ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ምህናፅ ከም እትርከብ እውን ገሊፆም።

ናይ ኢትዮጵያ ስትራተጂካዊ ጉዳያት ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘዳልዎ ህዝባዊ ምይይጥ ዝተሳተፉ ንሰራዊት እታ ሃገር ዝምልከት ርእይቶታትን ሕቶታትን ምቕራቦም ይገልጹ።ሎሚ እውን ገለልተኝነት ናይቲ ሰራዊት ዝተረጋገፀ ኣይኮነን፣እቲ ሰራዊት ኣብ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ፓርቲ ብልፅግና ክመያየጥ ተገዲዱ ንዝብል ኣብቲ መድረኽ ዝቐረበ ርእይቶ መልሲ ዝሃቡ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ዋና ዳይሬክተር ማእኸል መፅናዕቲ ብርጋዴር ጀነራል ተሾመ ገመቹ ነዚ ብትሪ ነፂጎምዎ ኣለው።

“እቲ ሰራዊት ፕሮግራም ፓርቲ ብልፅግና ንክመያየጥ ተገዲዱ እዩ ዝብል ፈፂሙ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ እዩ።ሕጂ ዘሎ ሰራዊት ነዚ ዝብሃል ዘሎ ከምዝቕበል ጌርኻ ምውሳድ ቅኑዕ ኣይኮነን፤ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ እዩ፤ምፅራይ ይክኣል እዩ።ስለዚ ከም ጌጋ ሓበሬታ ንክትሓዝ እየ ዝዛረብ ዘለኹ።”

ጀነራል ተሾመ ብምቕጻል ፌደራል ስርዓት መንነትን ቋንቋን መሰረት ዝገበረ ብምዃኑ ገዛእቲ ፓርቲታት ክልላት ንዕኦም ዝጠቅም ስጉምቲ ክወስዱ ከለው እቲ ሰራዊት ክከፋፈል ወይ ክፈርስ እዩ ዝብል እውን ዘይኸውን እዩ ኢሎም ።

ንሶም ሰራዊት ምክልኻል ናይ ፓርቲታት ጭራ ዘይኮነስ ናብ ወለዶ ዝሰጋግር፣ፓርቲታት ብዝፈረሱ ቁፅሪ ሰራዊት እናፍረሰት እትሃንፅ ሃገር ምዃና ከብቅዕ ከምዘለዎ ዝርዳእ መሪሕነትን ሰራዊትን እዩ ዘሎ ስለዚ ምፍራስ ዝብሃል የለን ኢሎም።

XS
SM
MD
LG