ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ወሳኒት ዕርዲ ኣል-ሸባብ ከም ዝሓዘ ይሕብር


ፋይል - ሰራዊት ሶማል
ፋይል - ሰራዊት ሶማል

ሰራዊት መንግስቲ ሶማል፡ ኣብቲ ጽዕጹዕ ኲናት ክካየደሉ ዝቐነየ ታሕተዋይ ሸበለ፡ ንወሳኒት ዕርዲ ኣል-ሸባብ ከም ዝተቖጻጸረ ብመገዲ ወሃቢ ቃል ኣቢሉ ሓቢሩ። መግለጺ ሰራዊት ሶማል ከም ዝሕብሮ፡ ኣብቲ ኲናት፡ ሓሙሽተ ናይ ወጻኢ ሃገር ዜጋታት ዝርከቦም 150 ኣባላት ኣልሸባብ ከም ዝቐተለ ይሕብር።

ወሃብ ቃል ሰራዊት ምክልኻል ሶማል መንነት እቶም ናይ ናይ ወጻኢ ሃገር ዜጋታት ዝበሎምን ዝተቐትሉ ኣባላት ኣልሸባብ ኣይሓበረን።

ሩኒርጎድ ተባሂላ እትጽዋዕ ዓዲ፡ ኣብ ታሕተዋይ ሸበለ፡ እታ ቀንዲን ወሳኒትን ዕርዲ ናይ ጕጅለ ኣል-ሸባብ ምጽናሓ ወሃብ-ቃል ሰራዊት ሶማል ኣመልኪቱ።

ኣልሸባብ ብዛዕባ’ቲ ብወገን መንግስቲ ዝተብሃለ ዓወታት ዛጊት ግብረ-መልሲ ኣየስምዐን።

XS
SM
MD
LG