ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራሕተኛታት ኢንዳስትሪ ፓርክ ሃዋሳ ስራሕ ደው ናይ ምባል አድማ አካይዶም


ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰራሕተኛታት ኢንዱስትሪ ፓርክ ሃዋሳ ሎሚ ረቡዕ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ኣካይዶም።

እቶም ሰራሕተኛታት ነቲ ኣድማ ዘካየዱ ብተደጋጋሚ እዋን ዝሓተትናዮ ወሰኽ ደሞዝ ምላሽ ብዘይምርካቡ እዩ ኢሎም ።

እቶም ሰራሕተኛታት ብተወሳኺ ድሕንነቶም ሓለዋ ስለ ዘይተገበረሎም ንፆታዊ ዓመፅን ዘረፋን ይቃልዑ ከምዘለው እውን ገሊፆም።

ኣካያዲ ስራሕ ኢንዱስትሪ ፓርክ ሃዋሳ ኣቶ በላይ ሃይለሚካኤል እቲ ፀገም ከምዘሎ ብምግላፅ ምምሕዳራት ሓድ ሓደ ኩባንያታት ክመሓይሹ ከምዝተነግሮም ግን ድማ ፍታሕ ከምፅኡ ብዘይምክኣሉ ዝፍፀም በደል እዩ እዩ ኢሎም።ኣብቲ ኢንዱስትሪ ፓርክ ልዕሊ 20 ኩባንያታትን ልዕሊ 20 ሽሕ ሰራሕተኛታትን ከምዘለው እውን ኣቶ በላይ ገሊፆም ኣለው።

ሎሚ ረቡዕ ንዝነበረ ምስሕሓብ ንምፅብፃብ ናብቲ ቦታ ዝተጉዓዙ ጋዜጠኛታት ድምፅን ምስልን ከይወስዱ ከምዝተኸልከሉ እውን ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ከተማ ሃዋሳ ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG