ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራሕተኛታት ኒውዮርክ ታይምስ ኣድማ ስራሕ ደው ምባል አካይዶም


ሰራሕተኛታት ኒው-ዮርክ ታይምስ ዝለዓለ ደመወዝን ዝሓሸ ጥቕምታትን ብምሕታት ን24 ሰዓታት ዝጸንሕ ኣድማ ትማሊ ሓሙስ አካይዶም።እዚ ዝኸውን ዘሎ ንልዕሊ 20 ኣዋርሕ ዝተኻየደ ናይ ኮንትራክት ልዝብ ኣብ ስምምዕ ክበጽሕ ብዘይምኽኣሉ'ዩ።

ልዕሊ 1,100 ሪፖርተራት:ኤዲተራት ፣ፎቶግራፈራትን ካልኦት ሰራሕተኛታትን ‘’ኒው-ዮርክ ታይምስ ዎክ ኣውት( ኒው ዮርክ ወፂኡ)" ዝብል ምልክታት ሒዞም ናብ ጎደናታት ወፂኦም።እዚ ኣብ ውሽጢ ልዕሊ 40 ዓመታት ኣብታ ጋዜጣ ዝተለዓለ ዝዓበየ ምስሕሓብ ስራሕ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣባል ማሕበር ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታትን ዘይኮኑ ከምኡ እውን ዓለምለኸ ሰራሕተኛታት ኣብ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ንዘለው ልዕሊ ትሽዓተ ሚሊዮን ዓማዊል ናይታ ጋዜጣ ትሕዝቶታት ንምቕራብ ይሰርሑ ኣለው።

ኣብ 1978 ዝተኻየደ ኣድማ ናይ ኒው-ዮርክ ታይምስ ሕትመት ደው ዘበለን ን88 መዓልታት ዝጸንሐን ነይሩ።

XS
SM
MD
LG