ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

25 ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ንክኣትው ተፈቂዱሎም  


ፋይል
ፋይል

ትካላት ሕቡራት ሃገራት፣ ን25 ሰራሕተኛታቶም ናብ ክልል ትግራይ ንክኣትው ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተፈቀደለን ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እዚ ዳሕረዋይ ፈቃድ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዝኣትው ሰራሕተኛታት ረድኤት፣ ኣብ ትግራይ ኣገዳሲ ኮይኑ ንዘሎ ረድኤት ብዝሰለጠ ኣገባብ ንክዕደል ከምዝሕግዙ’ውን ስቴፈን ያሪክ ጠቂሱ።

እቲ ወሃቢ ቃል ከም ሓላፊ ድሕነትን ጸጥታን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጊልስ ሚካድ፣ ኮምሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ፍሊፖ ግራንዴን ዳይረክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዴቪድ ቢዝልይ ዝበሉ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት፣ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተዘራረቡ ሓቢሩ።

ሚስተር ቢዝልይ "ፕሮግራም መግቢ ዓለም፣ ኣብ ክልል ትግራይ ኣትዩ ንኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ረድኤት ንክዕድል ተሰማሚዑ ኣሎ" ኢሎም።

እንተኾነ ኢሎም ንሶም "ፈቃድ ምርካብ ሓደ ነገር ኮይኑ፣ ህዝቢ ብኣዝዩ ዝተወሰነ ዓቅሚ፣ ንሰለስተ ኣዋርሕ ተጸጊሙ ድሕሪ ምጽናሕ ኩነተ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣዝዩ ኣሻቃሊ ኮይኑ ኣሎ" ኢሎም።

ዜና ሕቡራት ሃገራት "ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት፣ ከበድቲ መግሃስቲታት ሎሚ’ውን ይፍጸም ኣሎ ዝብሉ ሪፖርታት ይበጽሑና ስለዘለው ዝያዳ ኣተሓሳሲቡና ኣሎ" እውን ይብል ።

ሕቡራት ሃገራት፣ ናብ ሙሉእ ትግራይ ዘይተደረተ ፈቃድ ንትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ንክዋሃብን፣ ኩሎም ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ብቅልጡፍ ክነርክበሎም ኣለና ኢሉ።

XS
SM
MD
LG