ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራሕተኛታት ርክብ ኣቛሪጻ ዝነበረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንግዚኡ ካብ ስራሕ ደው ምባሎም ተፈሊጡ


ካብ ዋና ከተማ ሱዳን ካርቱም ናብ ኣዲስ ኣበባ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ፓይሎታ ምስ ኣብ ባይታ ዘለዉ ተቖጻጸርቲ ርክብ ብምጥፍኡ ስግኣት ተፈጢሩ ምንባሩ እንተኾነ እታ ነፋሪት ብሰላም ምዕራፋ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።


ኣቪየሽን ሄራልድ ዝተባህለ ንሓደጋታት ነፈርቲ ዝከታተል መርበብ ሓበሬታ፡ "እቲ ርክብ ዝተቛረጸ እቶም ኣብረርቲ ስለዝደቀሱ`ዩ" ዝብል ሓበሬታ ዘርጊሑ`ሎ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምድቃስ ፓይለት ተወሳኺ መርመራ የድሊ ብዝብል ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ`ሎ። እንተኾነ ምስታ ካብ ካርቱም ናብ ኣዲስ ኣበባ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ንግዚኡ ርክብ ተቛሪጹ ከም ዝነበረ፡ ድሓር ግን እታ ነፋሪት ብሰላም ከም ዝዓለበት ኣፍሊጡ`ሎ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እቲ መርመራ ክሳብ ዝካየድ ዝምልከቶም ሰራሕተኛታት በረራ`ታ ነፋሪት ካብ ስራሕ ከም ዝኣገዶም ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG