ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራሕተኛታት ረድኤት ዝሓዘት ነፋሪት ሕ/ሃ መቐለ ምእታዋ ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ጥምየት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣብ ዘንጸላለወሉ እዋን፣ ንሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት ዘሳፈረት ነፋሪት ሕቡራት ሃገራት ንፈለማ ጊዜ ትማሊ ሓሙስ ኣብ መቐለ ከምዝዓለበት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ነፋሪት ሕቡራት ሃገራት፣ በረራ ነፈርቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ካብ ዝቋረጽ ንደሓር ኣብ መቐለ ንፈለማ ጊዜ ዝኣተወት ነፋሪት እያ።

ዳይሬክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ጨንፈር ምብራቅ ኣፍሪቃ ሚካኤል ዳንፈርድ "እታ ነፋሪት ኣብ መቐለ ብብምእታዋ ዓብዪ ቅሳነት ተሰሚዑና ኣሎ። ኣብ’ቲ በረራ ዝነበሩ ኩላቶም፣ንኣዝዩ ኣገዳሲ ስራሕ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ 2.1 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ምብጻሕ ዝሕግዙ እዮም" ክብል ገሊጹ።

ተመሳሳሊ በረራታት ሕቡራት ሃገራት ናብ ክልል ትግራይ ኣብ ሰሙን ክልተ ጊዜ ከምዝህሉ’ውን እቲ ዜና ተሓቢሩ'ሎ።

ኣብ’ቶም ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ዝነበሩ ዕንቅፋታት ስለዝተወገዱ፣ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ደቡባዊን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ንልዕሊ 730,000 ህዝቢ፣ ኣብ ከተማ ዛና ድማ ናብ 40,000 ህዝቢ ሰብኣዊ ረድኤት ከባጽሕ ከምዝኻኣለ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብ’ዘን ዝቅጽላ መዓልታ ይብል ፕሮግራም መግቢ ዓለም፣ ናብ ተወሳኪ 80,000 ህዝቢ ሰሜን መዕራብ ትግራይ ረድኤት ከብጽሕ መደብ ከምዘለዎ፣ እንተኾነ፣ ክዙን መጠን ረድኤት ይጽንቀቅ ስለዘሎ ካልኣይ ዙር ረድኤት ንምዕዳል ከምዘይኽእል ኣጠንቂቁ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ክሳብ ዝመጽእ መወዳእታ ታሕሳስ ኣብ ትግራይ ህይወት ንምድሓንን ንምቅጻልን ዘኽእሎ 176 ሚልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ኣዘኻኺሩ ኣሎ ፕሮግራም መግቢ ዓለም።

XS
SM
MD
LG