ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራሕተኛታት ሓጽቢ ህዳሴ ሒዛ ትጉዓዝ ኣብ ዝነበረት ኣውቶቡስ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 15 ሰባት ሞሟቶም ተሓቢሩ


ሓጽቢ ህዳሴ
ሓጽቢ ህዳሴ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰራሕተኛታት ግድብ ህዳሴ ፅዒና ናብቲ ሓጽቢ ትጉዓዝ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ኣውቶቡስን ይዕጅቡ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሓይልታት ፀጥታን መንነቶም ዘይፍለጡ ዕጡቓት ፈፂሞምዎ ብዝተባህለ መጥቓዕቲ 15 ሰባት ምሟቶም ካብቲ መጥቃዕቲ ኣምሊጥና ዝበሉ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

እቲ 23 ለካቲት 2014 ዓ\ም ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ኣብ ወረዳ ጉባ ንኡስ ጣቢያ ኣይሲድ ኣብ ዝርከብ ልምዓት ሕርሻ ምዃኑ ተገሊጹ'ሎ።

ብዛዕባ እቲ መጥቓዕቲ ካብ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ርእይቶ ንምርካብ ዝተኻየደ ጻዕሪ ኣይተዓወተን።

XS
SM
MD
LG