ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰሜን ኮርያ ብልዕሊ ጃፓን ዝሓልፍ ሚሳይል ወንጪፋ


ሰሜን ኮርያ ብልዕሊ ጃፓን ዝሓልፍ ሚሳይል ወንጪፋ። ከም ግብረ መልሲ ድማ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካን ደቡብ ኮርያን ትማሊ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣካይደን።

ኣመሪካ ነቲ ሰሜን ኮርያ ብልዕሊ ጃፓን ዝወንጨፈቶ ሚሳይል ብምኹናን ንመሻርኽታ ደቡብ ኮርያ ከም ትከላኸለላ ኣፍሊጣ`ላ። ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ካሪን ዥን ፒየር ብዛዕባ`ቲ ምክልኻል ከምዚ ትብል፡፡

“ሓባራዊ ናይ ምብርዓን ዓቕምና ንምርኣይ ዝተገብረ`ዩ። ከምኡ`ውን ምስታ ሃገር ዘለና ወተሃደራዊ ምትሕብባር ዘርኣናሉ`ዩ። ናይ ሓጺርን ነዊሕን ግብረ-መልስና ምውህሃድና ክንቅጽል ኢና። እዚ ድማ ምስ ደቡብ ኮርያን ምስ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብን ብምውህሃድ ዝግበር`ዩ" ኢላ።

ፕዮንግያንግ ትማሊ ሰሉስ ዝወንጨፈቶ ዳሕራዋይ ሚሳይል፡ ካብ መንጎ`ቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ዝተገብረ ሰልፊ ዘርኣየቶ ኮይኑ፡ ክሳብ 4,000 ኪ.ሜ ዝኸይድ`ዩ። ካብ ናይ ቅድሚ ሎሚ ዝነውሐ`ዩ፡ ከምኡ ድማ ንላዕሊ ዘይኮነስ ናብ ጃፓን ኣንፈት`ያ ወንጪፋቶ።

ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት ብልዕሊ ጃፓን ዝተተኮሰ ፈላማይ ሚሳይል ክኸውን ከሎ፡ ነበርቲ ናብ መሕብኢ ክኣትዉ መጠንቀቕታ ዝተዋህበሉ`ዩ ኔሩ።

ቀዳማይ ሚንስተር ጃፓን ፉሚዮ ኪሺዳ ትማሊ ሰሉስ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ተዘራሪቡ ኔሩ።

ቀ/ሚ ጃፓን "ብሰሜን ኮርያ ዝተተኮሰ ነዊሕ ርሕቐት ሚሳይል፡ ዘቖጥዕ ተግባርን ስቕ ኢልካ ክሕለፍ ዘይግብኦን`ዩ። ኣብ ዝቐልጠፈ ድማ ዝልዓለ ግብረ መልሲ ክንህብ ኢና" ኢሉ።

ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ እቲ ፕዮንግያንግ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ነቲ ኣመሪካ ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ዝገብርኦ ዘለዋ ወተሃደራዊ ልምምድ ግብረ መልሲ`ዩ። ቅድሚ`ቲ ወተሃደራዊ ልምምድ ዩ.ኤስ.ኤስ ሮናልድ ረጋን ዝተባህለት ተሸካሚት ነፈርቲ መርከብ ድማ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቡሳን ደቡብ ኮርያ ኣትያ`ላ።

እንተኾነ ምምሕዳር ባይደን ሕጂ`ውን ምስ ሰሜን ኮርያ ልዝብ ንምግባር ክፉት ምህላዉ ኣፍሊጡ`ሎ።

ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ካረን ዥያን ፒየር “ዕላማና ሓውሲ ደሴት ኮርያ ምሉእ ንምሉእ ካብ ወታሃደራዊ ህላወ ናጻ ዝኾነ ዞባ ንክኸውን`ዩ። ኣብ ዕቱብን ቀጻልነት ዘለዎን ዲፕሎማሲ ክንኣቱ ተዳሊና ኣለና። ምስ ሰሜን ኮርያ`ውን ብዘይቅድመ ኩነት ክንዘራረብ ድልዋት ኣለና’ ኢላ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣመሪካ'ውን ፕሮግራም ጃምላዊ ዕንወት ፕዮንግያንግ ንምድራት ብዝብልኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ጸዊዑ`ሎ።

እንተኾነ ካብቲ ባይቶ ሓያል መልሲ ክመጽእ ትጽበዮ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ቀዋምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ዝኾና ቻይናን ሩስያን ኣብ ልዕሊ ፕዮንግያንግ ተወሳኺ ማዕቀብ ክግበር ኣይድግፉን'ዮም።

ሰሜን ኮርያ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ናይ ምክልኻል መጥቃዕቲ ኑክሌር ክትገብር ከም ትኽእል ዝገልጽ ሕጊ ኣሕሊፋ`ላ። ኣብ ቀረባ ናይ ኑክሌር ፈተነ ከም ትገብር`ውን ተዓዘብቲ ትጽቢት ይገብሩ።

XS
SM
MD
LG