ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰማያዊ ፓርቲ አብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት’ታ ሃገር መንነት መሰረት ጌሩ ዝፍጸሙ ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ በደል ዝበሎ ኣውጊዙ


ናይ ኢትዮጵያ ተቃዋሚ ፓርቲ ሰማያዊ ፓርቲ አብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት’ታ ሃገር መንነት መሰረት ጌሩ ዝፍጸሙ ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ በደል ዝበሎ ኣውጊዙ።

እዞም በደላት ዝፍጸሙ ዘለው ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ብዝርኸቡ ኣገልገልቲ’ቲ ስርዓት ዝኾኑ ወሃብቲ አመራርሓ’ዩ ክብል ከሲሱ።

ነዚ ንምቅዋም’ውን ሃገርለኸ ተቃውሞ ክገብር’የ ክብል ገሊጹ።

ሰማያዊ ፓርቲ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ አብ ዝጸውዖ ጋዜጣዊ መግለጺ ስርዓት ኢህወዲግ አብ ታሪኽ ፈጠራ ተንኮልን ጽልኣትን ንክብርታት ንህዝቢ’ታ ሃገር ብምምራዝ ሓድነት ሃገር ብምንዋጽ ሰላማዊ መነባብሮ ዜጋታት አዝዩ ኣናዊጽዎ’ሎ ክብል ከሲሱ’ሎ።

እዚ ከፋፋሊ ስርዓት ዝበሎ’ውን ንሓሳብን መወዳእታን ንኸብቅዕ ዝተጀመረ ህዝባዊ ቃልሲ ተጠናኺሩ ክቅጽል እጃመይ ይገብር እለኹ ክገብር’ውን ክብል ቃል አትዩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG