ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰማያዊ ፓርቲ ናይ ኢትዮጵያ ባንዴራ ናብ ናይ ቀደም መልክዑ ንኽምለስ ፃውዒት ኣቕሪቡ


ናይ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ፓርቲ ሰማያዊ ፓርቲ ናይ ኢትዮጵያ ባንዴራ ናብ ናይ ቀደም መልክዑ ንኽምለስ ፃውዒት ኣቕሪቡ።ህዝቢ ብሰፊሑ ብምስታፍ መዓልቦ ክግበረሉ ድልየት ናይቲ ፓርቲ ምዃኑ ገሊፁ’

ሰማያዊ ፓርቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ‘’ባንዴራ ኢትዮጵያ መለለይ መንነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኾነ ምልክት ዘይብሉ ካብ ላዕሊ ሓምላይ፣ኣብ ማእኸል ቢጫ ኣብ ታሕቲ ድማ ቀይሕ ከም ናይ ቀደሙ ኮይኑ ክቕፅል ብትሪ ይሓትት’’ ይብል።

መንግስቲ ብዝኸደን ብዝመፀን ቁፅሪ ባንዴራ ክቀያየር የብሉን ዝበለ ሰማያዊ ፓርቲ እቲ ባንዴራ ናብ ናይ ቀደም መልክዑ ክቕየር ህዝቢ ብነፃን ብዕምቆትን ክመኽረሉ ሓቲቱ።ምኽትል ኣቦ ወንበር ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ ጌታነህ ባልቻ ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ኢሎም።

“በብእዋኑ ዝቀያየር ፌደራላዊ ስርዓት፣ምምሕዳርን ካልኦትን ክህልው ይኽእል።ሰማያዊ ፓርቲ ግን በብእዋኑ ምስ ዝመፅእ ስርዓት ዝለዋወጥ ባንዴራን ሃገራዊ መዝሙርን ክህልው የብሉን ኢሉ ይኣምን።ኣብ ሃገር ክንተኽሎ ዘለና ነባሪ ነገር ክህልወና ይግባእ።”

ህዝብን ፖለቲካዊ ውድባትን ኣብዝተፈላለዩ ፖሊስታትን ፕሮግራማትን እናተኻትዑ ዝቐያይሩዎም ጉዳያት ክህልው ይኽእሉ፤መሰረታዊ ናይ ሃገር ዓንድታት ግን ነበርቲ ክኾኑ ኣለዎም ይብል።

ባንዴራን ካልኦት ፍልልይ ዝርኣየሎም ሃገራዊ ሕቶታትን ልዝብ ተኻይዱ ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ክውስን መርገፂ ውድቦም ምዃኑ ኣቶ ጌታነህ ገሊፆም።ህዝባዊ ስርዓት ክምስረት ከሎ ብዘየዳግም ክምለሱ ዘለዎም ካልኦት ጉዳያት እውን ኣለው፤ዝፍትሐሉ ኣገባብ እውን ከምዚ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

“እዚ ብኣግባብ ክንፈትሖ ንኽእል ቀዳማይ ናይቲ ህዝቢ ሕቶ እንታይ እዩ ንዝብል ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ህዝበ ውሳነ ክንህበሉ ከለና እዩ።እቲ ህዝቢ ረፈረንድም ብምክያድ ንዓይ ዝጠቕመኒ ዝብሎ ክነቐምጥ ኣለና።”

እቲ ፓርቲ ነዚ ሕቶ ዘልዓለሉ ምኽንያት ክገልፅ ከሎ ንቀዳማይ ሚንስትር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ንምድጋፍ ኣብዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብዝተኻየዱ ናይ ድጋፍ ሰልፍታት ህዝቢ ሒዙዎ ዝወፀ ናይ ቀደም ባንዴራ ብምዃኑን ሰፊሕ ደገፍ ህዝቢ ዘለዎ ብምዃኑ እዩ ይብል።

ብኣንፃሩ እዚ ኣካይዳ ንሕገ መንግስቲ ዝቃወም ተግባር እዩ፤ናይ ቀደም ባንዴራ ንምሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘንፀባርቕ ኣይኮነን ዝብሉ እውን ኣለው።ዘየተሓታትት ጉዳይ ግን እቲ ጉዳይ ሕገ መንግስታዊ ክትዕ ዘልዓለ ምዃኑ እዩ።ብመሰረት ኣብ ስራሕ ዘሎ ሕገ መንግስቲ እቲ ሕብሪ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ማእኸሉ ሃገራዊ ኣርማ ኣለዎ ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG