ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰማያዊ ፓርቲ ናብ ልዝብ ክምለስ ካብ ኢህወዲግ ዕድመ ከምዝተገብረሉ ገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ሰማያዊ ፓርቲ ናብ ልዝብ ንኽምለስ ካብ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዲግ ዕድመ ከምዝቀረበሉ ገሊጹ።

እቲ ፓርቲ ናብ ልዝብ ንምእታው ሸምገልቲ ከምዘድልይ ገሊጹ ሓቀኛ ልዝብ ንክህልው አብ ጉዳይ’ታ ሃገር የእትወኒ’ዩ ዝብሉ ኹሎም ሓይልታት ንኽሳተፉ ከምዝሓተተ’ውን እቲ ፓርቲ ገሊጹ’ሎ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ወርሒ ግንቦት ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዲግ ንሰማያዊ ፓርቲ አብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ንልዝብ ከምዘዓደሞም ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ እበበ ኣካሉ ገሊጾም።

ኣቶ አበበ አካሉ ካብ ጋዜጠኛ ንዝቀረበሎም ሕቶ አብ ዝሃብዎ መልሲ ቅድም ክብል ኣብ ንመንጎ ተቃወምቲ ፓርቲታት ገዛኢ ፓርቲ ተጀሚሩ ካብ ዝነበረ ልዝብ ርእሱ ዘግለለ መርገጺኡ ተኸቲሉ’ዩ ድሕሪ ምባል ሕጂ ንዝቀረበሉ ምላሽ’ውን ነዚ መሰረት ጌሩ’ዩ ኢሎም።

ኣቶ ኣበበ ፓርቲኦም ቅድመ ኹነት አቐሚጡ ከምዝነበረን እዚ ኸአ ገልለተኛ ዝኾነ ሸምጋሊ መንጎኛ ክውኸን ይግባእ ዝብል ምኳኑ ንሓድሕድ ሽምግለና ዝበሃል የለን ዝብል መርገጺ ከምዘለዎ ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG