ዋሽንግተን —
ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ኢትዮጵያ፡ ኣደራዕ ናይ በበይኖም ሓይልታት ዝዀኑ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ኢትዮጵያ--ብቐንዱ ግን ክልል ትግራይ--ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ዮም። ምስ ቅልጡፍ ምልውዋጥ ዓውደ-ኲናት፡ ምብታኽ መራኸቢታት፡ ምእዋጅ ህጹጽ ኣዋጅ ዘስዓቦ ቅልውላው... ብዝተፈላለየ ደረጃ ንኹነታቶም ጸልዩ’ዩ። ሽሕ’ኳ ዜጋታት’ውን ግዳይ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እንተዀኑ፡ ጉዳይ’ቶም ስደተኛታት ዝያዳ ዘብእሶ ግን ተሓላቒ ኣካል’ውን ስለ ዝሰኣኑ’ዩ።
ዘይመኽሰባዊ ትካል ኤሪ-ይኣክል፡ ኣብ በበይኑ ወገናት ኢትዮጵያ ምስ ዝርከቡ ስደተኛታት ብቐረባ ዝከታተል ዘሎ ኣካል’ዩ። ነቲ ጉዳይ ኣመልኪትና ንኣባል ቦርድ እቲ ትካል ኣቶ ከሰተ በራኺ ኣዘራሪብናዮ ኣሎና።