ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰልፊ ደሞክራት ኣብ ሰነት መሪሕነቶም ኣደልዲሎም


ኣብ ክፍለ-ሃገር ጆርጂያ ዳግም ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ሰነት ኣመሪካ፡ ንሰልፊ ደሞክራት ወኪሉ ዝተወዳደረ ራፋኤል ዋርኖክ ብምስዓሩ፡ እቲ ሰልፊ ኣብ ሰነት ዘለዎ መሪሕነት ኣደልዲሉ ኣሎ። በዚ ድማ ንዝመጽእ ክልተ ዓመታት ሰልፊ ፕረዚደንት ባይደን ንሰነት ክቆጻጸር’ዩ።

ምሩጽ ኣባል ሰነት ዋርኖክ ድሕሪ ምዕዋቱ ኣብ ኣትላንታ ዝሃቦ ቃል፡ ደገፍቱ ብዓብይ ጽንብል’ዮም ተቐቢሎሞ። ዋርኖክ ኣብዚ ንኻልኣይ ግዜ ዝተኻየደ ምርጫ ብኣዝዩ ጸቢብ ቍጽሪ’ዩ ተዓዊቱ። ምሉእ ኣቓልቦ ኣመሪካ ስሒቡ ዝነበረ ምርጫ ብምዃኑ ድማ ዛጊት ዝበዝሐ መራጺ ዝተሳተፎ ምዃኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

“ድሕሪ’ቲ ሓያል ናይ ምርጫ ጎስጓስ... ንምዃኑ ጎስጓስ ጥራይ ዲዩ ነይሩ? እንድዒ። ኣብዚ ደስታ ዝህብ ዓቢ ኣጋጣሚ ድማ እዘን ውሑዳት ቃላት ጥራይ ክብል፤ ‘ህዝቢ ተዛሪቡ።’”

ዋርኖክ ነቶም ንዝመጽእ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ መንበር ሰነት ዝመረጹዎ ደገፍቱ ኣመስጊኑ። እንተዀነ፡ እንኮላይ ነቶም ዘይመረጹዎ ነባሮ ጆርጂያ ክሰርሕ ምዃኑ ቃል ኣትዩ። ሕጂ ምርጫ ጆርጂያ ምስ ኣፍለጠ፡ መናብር ሰነት 51 ብኣባላት ደሞክራት 49 ድማ ብሪፓብሊካን ክተሓዝ’ዩ። ኣብዚ ዘሎ ሰነት 50 ብ50 ዝተኸፋፈለ ኰይኑ፡ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ናይ ፐንሲልቫኒያ ጆን ፈተርማን ድሕሪ ምዕዋቱ’ዩ ነቲ ሚዛን ለዊጡ። ሕጂ ምስ ናይ ዋርኖክ ድማ ኣጸቢቑ ደልዲሉ።

ተወዳዳሪ ሀርሸል ዎከር ስዕረቱ ተቐቢሉ’ዩ። ንዋርኖክ ግን ብስሙ ኣይጠቐሶን። ዎከር ኣብ መደረኡ በዓልቤቱ ኣብቲ ፈታኒ እዋን ኣብ ጎድኑ ብምዃኑ ኣመስጊኑ። ንደገፍቱ ድማ ምሕላምን ንቕድሚት ምርኣይን ደው ከየብሉ ተላብዩ። ኣብ ቅዋማዊት ሃገር ኣመሪካ ኣሚኖም ሓቢሮም ክሰርሑ ድማ ተማሕጺኑ።

እታ ብሰልፊ ርፓብሊካን እትዕብለል ዝነበረት ጆርጂያ መኣዝን ምቕያራ ንዓቃባዊ ወገን ዓቢ ስዕረት’ዩ። እቶም ብፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝተደገፉ ተወዳደርቲ ድማ ሓያሎ ክዕወቱ ዘይምኻኣሎም ካልእ ኣቓልቦ ስሒቡ ኣሎ። ዋልከር ኣብዚ ምድብ ናይ መጨረሽታ ምዃኑ’ዩ።

ድሕሪ ምፍጻም ቃለ-ማሕላ ሓደስቲ ምሩጻት ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ክልተ ክገማማዕ ምዃኑ’ዩ። ሰነት ብሰልፊ ደሞክራት ዝዕንበለል ክኸውን እንከሎ፡ ተወካሎ ህዝቢ ግን ናብ ርፓብሊካን ሰጊሩ’ዩ።

XS
SM
MD
LG